Home ዜና ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ከንቲባ ዴንቨር ማይክ ጆንስተንን ከንቲባ...

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ከንቲባ ዴንቨር ማይክ ጆንስተንን ከንቲባ ነበር ዊሊንግቶን ዌብንን ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ተገሊፁ።

636

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ህልው ኩነታት ትግራይ ነቶም ከንቲባታት ከም ዘብራህርህሎምን እውን ተሓቢሩ።ከባቢ 28 ዓመታት ዘቑፀረ ርክብ ኣሓት ከተማታት ኣኽሱምን ዴንቨርን ኣብ ዝጠናኸረሉ ዝዘተዩ ክልቲኦም ወገናት ብሓፈሻ ትግራይ ካብቲ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ኩነታት ንምውፃእ ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ማሕበረሰብ ዴንቨር ከበርክቶ ዝኽልእ ደገፋት ዘተኮረ ልዝብ እውን ኣካይዶም እዮም።ኣተሓባባሪት ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ዴንቨር ምልእተ ብርሃነመስቀል ሓዊሱ ካልኦት ወገናትውን ዝተሳተፍሉ እዚ ርክባት ብዝያዳ ክዓሙቕ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክፍጠር ከምዝግባእ ተገሊፁ።