Home ዜና ፕሬዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ተመዛበልቲ...

ፕሬዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ድማ ብፍላይ ህይወቶም ንምድሓን ዝተቛረፀ ህፁፅ ሓገዝ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

469

ፕሬዳደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ድማ ብፍላይ ህይወቶም ንምድሓን ዝተቛረፀ ህፁፅ ሓገዝ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝሓበሩ ኣብ ትግራይ ዑደት ንዘካይድ ዘሎ ጉጅለ ልኡኽ ዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዝዘተይሉ እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዑደት ዘካየደ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብታ ከተማ ዝበፅሐ ጉድኣትን ህልዊ ኩነታትን ተዓዚቡ። ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ድማ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣፋውስን ሓገዝ ንምሃብ ከምዘቕርቡ ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ንለገስቲ ሃገራት ይኹን ትካላት ምስጋና ብምሃብ፤ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከብ ምዃኑን ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮን ሓቢሩ። ኣብ ዝተቛረፁ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣትኲሮም ዘተ ዘካየዱ ኣባላት ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፤ ብቐፃሊ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ቁሳዊ ሓገዝን ካልኦት መሰል ድጋፋትን ኣጠናኺሮም ብምቕፃል ዝዓነዉ ይኹን ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅ እውን ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓባር ኮይኖም ክሰርሑ ቃል ኣትዮም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ዝተወከሉ ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ እንትኾን ኣብ ከባቢታት መቐለ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ተዓቒቦም ዝርከቡ ወገናት ብኣካል ተዓዚቦም።