Home ዜና ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ሬሚ ማሬሾ ዘትዮም

ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ሬሚ ማሬሾ ዘትዮም

222

ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ሬሚ ማሬሾ ሎሚ 24 ሕዳር 2016 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ጉዳያት ዘትዮም

ኣምባሳደር ሬሚ ማሬሾ ትግባረ እማመ ሰላም ውዕሊ ፕሪቶሪያን ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያትን ብምልዓል መብርሂ ዝሓተቱ ኮይኖም፣ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ብወገኖም ውዕሊ ፕሪቶሪያ መሰረት ገይሩ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ዘምፀኦ ረብሓ ከምዘሎ ኮይኑ ብሙሉእነት ኣብ ምትግባር ብዙሕ ከምዝተርፎን ይኹን እምበር ተረዳዲእኻ ንምፍታሕ ድልውነት ከምዘሎ ገሊፆ

ፕሬዚደንት ጌታቸው ብተወሳኺ ድማ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎም ግዝኣታት ትግራይ ናይ ምውፃእ ሓላፍነት ናይ ፌደራል መንግስቲ ዋላ እንተኾነ ዛጊድ ተግባራዊ ዘይምግባሩን ሐዚ’ውን በቶም ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ፣ ናብ ስሩዕ መረበቱ ተመሊሱ ስሩዕ መነባብርኡ ክመርሕ ዝግበኦ ብሚልዮን ዝቑፀር ዝተመዛበለ ህዝብና ፀገማቱ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ከምዘሎ፣ ኣባላት ተቐነስቲ ሰራዊት/DDR/ ዝግባእ እግሪ መትከሊ ረኺቦም ናብ ሕብረተሰቦም ዝፅንበርሉ መስርሕ ብሰንኪ ፋይናንሳዊ ፀገም ዛጊድ ከምዘይተተግበረ፣ ብሰንኪ ኣብ ክልልና ዘጋጠመ ድርቅን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ህዝብና ሓደጋ ሞት የጋጥሞ ከምዘሎ፣ ብሓፈሻ ህዝብና መሊስካ ኣብ ምሕዋይን ኣብ ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ድጋፍ መንግስቲ ፈረንሳይ ወሳኒ ከምዝኾነን ዝርዝር መብርሂ ሂቦም። ኣምባሳደር ሬሚ ማሬሾ በቲ ዝተወሃቦም ዝርዝር መብርሂ እኹል ግንዛበ ከምዝረኸቡን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ንምግባር፣ ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን እግሪ ንምትካልን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መንግስቶም ኣብ ጎኒ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ከምዝኸውን ቃል ኣትዮም እዮም ፡፡ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት24 ሕዳር 2016 ዓ/ም