Home ዜና ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘትዮም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘትዮም።

656

መንግስቲ ጃፓን ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝዓነዋ ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ንምፅጋንን ኣድላይ ዘበለ ደገፍ ንምግባር ቃል ኣትያ። ዳይሪክተር ትካል ዩኒሴፍ ኣብ ኢ/ያ ሓዊሱ ኣምባሳደራት ኖርዌይ፣ ጃፓንን ኒዉዝላንድን ኣብ ኢ/ያ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ እቲ ዘተ ኣብ ትምህርትን ካልኦት ዛዕባታትን ክግበሩ ዝኽእሉ ሓገዛት ንምንፃር ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም። ብተወሳኺ ጃፓን ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝዓነዋ ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ዳግም ንምፅጋንን ኣድላይ ዘበለ ደገፍ ንምግባርን ቃል ከምዝኣተወት ድማ ዶ/ር ኪሮስ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እቶም ኣምበሳደራት ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ጉዳይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ካልኦትን ኣመልኪቶም ምስ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝዘተዩ እንትኸውን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሐሉ ዝግባእን እቶም ኣምባሳደራት ከም ትካል ድማ ዩኒሴፍ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ሓገዝ ኣመልኪቶም እዉን ከም ዝዘተዩ ተፈሊጡ።

እቶም ኣምባሳደራት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ኣብ ዝዓነዋ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ተዘዋዊሮም ከም ዝተዓዘቡ እዉን ተሓቢሩ።

ኢየሩሳሌም ገ/መድህን