Home ዜና ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ተራኺብም ዘትዮም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ተራኺብም ዘትዮም።

515

ኣብ ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ንምስታፍ ኣብ ዴንቨር ኮሎራዶ ዝቐነዩ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ምስዐኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ተራኺቦም ከም ዝዘተዩ ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ኣብ ገፅ ትዊተር ከም ዝሓበርዎ ኣብ ካፒቶል ምስ ኮንግረስማን ብራድ ሸርማን ተራኺቦም ሓፂር ዘተ ከምዘካየዱን እቶም ኣባል ቤት ምኽሪ ኣብቶም ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንተፈፀመ ገበን ፅንተት መንግስቲ ኣሜሪካ ኢሉ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኲናት ጠጠው ከብሎን ንዝተፈፀሙ ገበናት ድማ ተሓታትንት ክህሉ ንዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቓስ ንኢዶም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ህልው ኩነታት ትግራይ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ሐዚ እውን በቶም ወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ኣብ ዘሎ ህዝቢ ጠጠው ዘይበለ ኣሰቃቒ ዝኾነ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘረደእዎም ሓቢሮም።

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ድማ በቲ ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ስዒቡ ተጠቀምቲ እቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝኾነ ፈቖዶ ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛቢሉ ዘሎ ኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ዘስዕቦ ዘሎ ፅልዋ ከም ዘተሓሳስቦም ብምግላፅ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ እቲ ሓገዝ ዝጠልቡ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ፅጉማት እቲ ዝተቛረፀ ሓገዝ ንምጅማር ስራሕቲ ክሰርሕ ቃል ከምዝኣተው ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም።

ንተጠቀምቲ ዝለኣኽ ሓገዝ ፣ ብግቡእ ናብ ተጠቃሚታቱ ንኽበጽሕ ምስ ሓገዝ ዝተተሓሓዙ ኩሎም ንጥፈታት ጥቡቕ ምክትታል ምግባር ከም ዘድልን ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ነዚ ንምግባር ክንተሓባበር ድልውነትና ገሊፀ ኣለኹ ኢሎም ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ። ወያንተ ብዙነህ