ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ንኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላ በርነን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዝዘተይሉ እዋን መንግስቲ ኣየርላንድ መቐፀልታ እቲ ዝሓለፉ ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ኣብቲ ጥንኩር እዋናት ህዝቢ ትግራይ ንዝበፅሖ በደል ፍትሒ ንክረክብ ዝወሰዶ መርገፂ ግዝያዊ ምምሕዳረን ህዝቢ ትግራይ ልዑል ክብሪ ዝህቦ እዩ ኢሎም።
ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላ በርነን መንግስቲ ኣየርላንድ ንብዙሕ እዋናት መሓዛ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ብዙሓት ስራሕቲ እናዓመመ ከምዝመፀ ብምዝኽኻር ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምሕጋዝ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎን ንቐፃሊ ፕሮጀክታት ሓኒፅፁ ናብ ስራሕ ንምእታው ምንቅስቃስ ከም ዝጀመረ ሓቢረን።
እተን ኣምባሳደር ደሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምዕዛብ ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ኣኽሱምን ዓዲግራትን ዑደት ዝገበራ ኮይነን ብፍላይ ግዳይ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኮይነን ከቢድ ጉድኣት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ መንግስቲ ኣየርላንድ ብዕቱብ ክሰርሐሉ እዩ ኢለን።
ጡዕማይ ገዛኢ