Home ዜና ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ...

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ዘትዮም

393

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፀሐ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተዋደደ ስራሕቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ከምዝጠልብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ንጎሆ ንወከልቲ ዓለምለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ከቢድ ምዃኑ ዝገለፁ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ትግራይ ዘቋረፅዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጅማር ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ክቀላጠፍ ፀዊዖም።

ሐዚ እውን ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር ዝፀውዑ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ በቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዓንዮም ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ዳግም ኣብ ምህናፅ፣ መፍረያይነት ሓረስታይ ኣብ ምዕባይን ኣብ ም ክልኻል ዕስለ ኣምበጣ ትካላት ውድብ ሕብራት መንግስታት ክድግፉ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ዝዓነው መሰረተ ልምዓታት ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ትካላዊ መስርሕ ንምፍጣርን እትገብርዎ ስራሕቲ የመስግን ንዕውትነቱ ድማ ኣብ ጎድንኹም ኮይና ክንሕግዝ ኢና ኢሎም ኣይተ ጌታቸው ረዳ።ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ዝለዓለ ድጋፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ንግንዘብ ኢና ዝበሉ ኣብ ውድብ ሕብራት መንግስታት ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት (UN OCHA) ኢትዮጵያ ዶ/ር ራሚዝ ኣላክ ባሮዝ ህዝቢ ትግራይ ብቀረባ ክንሕግዞ ኢና ንደሊ ኢሎም።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዓርሶም ክኢሎም ናብ መፍራይ ክሰጋገሩ ኣብ ዝግበር ስራሕ ክንሕግዝ ዝበሉ ዶ/ር ራሚዝ ኣብዚ መፂእና ዘለና መዳርግቲ ኣካላት ብጥምረት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።ኣብቲ ዘተ ኣባላት ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተወከሉ ኣካላትን ተረኺቦም።

ብሃይለሚካኤል ገሰሰ