Home ዜና ፕሬዝደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንሬጂናል ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም (WFP) ማእኸላይን ምዕራብን...

ፕሬዝደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንሬጂናል ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም (WFP) ማእኸላይን ምዕራብን ኣፍሪካ ክሪስ ኒኮይ ኣብ ቤት ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

491

ፕሬዝደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንሬጂናል ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም (WFP) ማእኸላይን ምዕራብን ኣፍሪካ ክሪስ ኒኮይ ኣብ ቤት ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ድማ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ተቛሪፁ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ሳዕቤናቱን፣መንግስቲ ትግራይ ነቲ ዝተርኣየ ስርቅን ዘይእርኑብ ተግባርን ንምፅራይ ዝወሰዶ ተበግሶን ኣብ ከይዲ ምፅራይ ዝተረኸቡ ርካቦታትን ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ ኣካላት ዝወሰዱ ዘየማትእ ስጉምትን ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ መብርሂ ሂበሙሉ።

ትግራይ ኣብ ምፅራይ ምጥፍፋአ ረዳኤት ዝኸደቶ ርሕቐት ንስርቅን ቀንጠብጠብን ኣብ ትግራይ ተፃዋርነት ከም ዘየለን ዘረጋግፅ ሙዃኑ እውን ተሓቢሩ። ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ዕደላ ህፁፅ ሓገዝ ምቁራፁን ዛጊድ እዉን ዘይምጅማሩን ስቓይ ህዝቢ የጋድድ ከምዘሎን ሂወት ሚልዮናት ንምድሓን እቲ ዝተቛረፀ ሓገዝ ብቕልጡፍ ዳግም ኣብ ዝጅመረሉን ኩነታትን ተመያይጦም።

ትካል ምግቢ ዓለም ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም ከይድገም ኣብ ምፍላይ ምምማይ ተሓገዝቲ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብቐጥታ ባዕሉ ክመርሖን ዲጂታላይዝ ንምግባር ትልሚ ከምዘልዎ ብቲ ትካል ዝቐረበ ኮይኑ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ሕዚዉን ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርዖ ኣብ ዝኸፋ መከራ ዝርከብን ህፁፅ ሓገዝ ዝጠልብን ወገና ብቕልጡፍ ሓገዝ ክረክብ እዩ ነዚ ዘቀላጥፍ ኣሰራርሓ ክተኣታተው ከም ዘተባብዕ እዉን ኣብ ዘተኦም ዝተልዓለ ጉዳይ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብሙዃኑ ድማ ትካል ምግቢ ዓለም ዝሓሸ ዝብሎ ኣሰራርሓ እንተትኣታትው ደገፍ መንግስቲ ትግራይ ከምዘይፍለዮ ዘረጋገፁ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ይኹን እንበር ተቛሪፁ ዘሎ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክጅምርን ነቲ ስራሕቲ ዘቀላጥፍ ብዘኽእል ክፍፀም ይግባእ ኢሎም።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ