Home ዜና ፖሊስ ወረዳ ጉለምኸዳ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ዝግምቱ ናይ ኮንትሮባንድ ኣቑሑት ናብ...

ፖሊስ ወረዳ ጉለምኸዳ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ዝግምቱ ናይ ኮንትሮባንድ ኣቑሑት ናብ ጎረቤት ሃገረ ኤርትራ ንምስጋር እንትፍትን ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ ።

568

ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ጉለምኸዳ ተጋዳላይ ካሕሳይ ካልኣዩ ከም ዝበሎ እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም ዘለዉ ኣብ ወሰና ወሰን እታ ወረዳ ናብ ኤርትራ ክሰግሩ እንትፍትኑ ኮይኖም ዘመናዊ ድኹዒ፣ስሚንቶ፣ስኳር፣ዘይቲ ብልዕን ካልኦትን ዘጠቓለሉ እዮም ።ብዘይካ እዚ ፖሊስ ድሕንነትን ሰላምን ዜጋታት ንምሕላዉ የካይዶ ብዘሎ ቀፃልነት ዘለዎ ተፍትሽ ናብ ማእኸል ሃገር ምስ ዘገልገሉ ሓፂን መፂን ተጃሚሎም ከወፁ ተዳልዮም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ተቶኮስቲ ኣብ ቁፅፅር ከም ዘዉዓለ ተጋዳላይ ካሕሳይ ካልኣዩ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ምሓዝ እቶም ናይ ኮንትሮባንድ ኣቑሑትን ተቶኮስትን ተሳትፎ ነባራይ ህዝቢ ዝለዓለ ከም ዝነበረን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዘለዎን ድማ ተመልኪቱ ኣሎ ።እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብታ ወረዳ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ እዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ቅርሺ ዝግምቶም ናይ ኮንትሮባንድ ኣቑሑት ብኣካላት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምዉዓሎም ዝዝከር እዩ ክብል ድወት ፀብፂቡ።