Home ዜና ህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዝ ንምግባር ዝኣተዉዎ ቃል ብተግባር ይፍፅም ከም...

ህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዝ ንምግባር ዝኣተዉዎ ቃል ብተግባር ይፍፅም ከም ዘለዉ ዶ/ር ኢያሱ ኣብርሃ ሓቢሮም።

557
0

ርእሳነ ምምሕዳራት ኢ/ያ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣብዝገበርሉ እዋን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ንትግራይ ንምሕጋዝ ቃል ከም ዝኣተዉ ይዝከር።ኣብቲ ሽዑ እዋን ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኣብ ዳግመ ሕዉየት ህንፀትን ትግራይ ክሳብ ሓደ ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ሓገዝ ከም ዝገበር ኣይተ ሺመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ድማ ካብቲ ዝተኣተወ ቃል ሎሚ 05/09/2015 ዓ/ም ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻ እቲ ክልል 20 ሽሕ ኩንታል ሙሩፅ ዘርኢ ስንዳይን 2000 ኩንታል ዕፉንን ናብ መቐለ ኣጓዓዒዞም ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣረኪቦም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ክልል ኦሮምያ ኣይተ በሪሶ ፈይሳ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ሓቢሮም።ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ እውን ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት ብግዚኡ ናብ ትግራይ ብምልኣኽ ከረክቡን ቀልጪፉ ናብ ሓረስቶት ትግራይ ክባፃሕን ፀዊዖም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ነቲ ብህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ዝመፀ ሓገዝ ናብ ሓረስታይ ብቅልጡፍ ከምዝባፃሕ ድማ ገሊፆም።

ከም ትግራይ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዓ/ም መፍራይነት ሕርሻ ንምስሳን 369 ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ፣800 ሽሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒን 228 ሽሕን 750 ሊትሮ ኬሚካል ፀረ ፃህያይን ከም ዘድሊ ካብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ብኢዮሩሳሌም ገ/መድህን

Previous articleዑደት ልኡኽ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ትግራይ
Next articleፍትሒ ንግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ