Home ዜና ናብ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተልኣኸ ደብዳበ

ናብ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተልኣኸ ደብዳበ

967
0

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ዳግም ሓገዝ ክልእኻ ተሓቲተን፡፡
ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ዝልእኾ ዝነበራ ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ክብል ምግባረን ዝኸፍአ ህልቂት ዘስዕብን ሰላማዊ ህዝቢ ዝጎድእን ብምዃኑ ደጊመን ክሓስባሉ ከምዝግባእ ተረከብቲ ሕድሪ ትግራይ/ሌጋሲ ትግራይ/ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰል ሓቲቱ፡፡ እቲ ትካል ናብ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ተራድኦ ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወርን ናብ ዋና ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም ሲንዲ ማይክካይንን ደብዳበ ልኢኹ፡፡


ተረከብቲ ሕድሪ ትግራይ ኣብ ደብዳቢኡ ዩኤስኤይድን ትካል ምግቢ ዓለምን ናብ ትግራይ ዝሰድኦ ዝነበራ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክብል ምግባረን ንምግማቱ ዘፀግም ህልቂት ዘስዕብን እቲ በቲ ኲናት ተጎዲኡ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፍአ ክጥቃዕ ዝገብርን እዩ ኢሉ፡፡ ብምዃኑ ድማ ምግብን ካልኦት ህይወት ንምድሓን ዝረብሑ ሓገዛትን ብቕልጡፍ ናብ ትግራይ ክለኣኹ ሕቶ ኣቕሪቡ፡፡


እቲ ተሰሪቑ ዝተብሃለ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይሻራዊ ኣካል ክፅናዕ ከምዘሎ ዝሓበረ ሌጋሲ ትግራይ ይኹን እምበር ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ክብል ምግባር ብሰንኪ ውሕዳት እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጠልብ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ክጉዳእ ከምዘይብሉ ኣብ ደብዳቤኡ ኣነፂሩ፡፡ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ልክረክብ ድማ ሃገር በቆልን ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ብሓባር ክሰርሑ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ፡፡


ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ እውን ምሕጋዝን ምትብባዕን ከምዘድሊ ሌጋሲ ትግራይ መልእኽቱ ኣሕሊፉ፡፡
ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleስግኣት ፀጥታ ከተማ ዓዲግራት
Next articleሰራዊት ኤርትራ ኮሚቴ ምክትታል፣ምርግጋፅን ምኽባር ተልእኾን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ስርሑ ከይሰርሕ የተዓናቕፍ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።