Home ዜና ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሐዚ እውን ተግባራት ምፅናት ዓሌት ይቕፅል ከምዘሎ ሂዩማን ራይትስ...

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሐዚ እውን ተግባራት ምፅናት ዓሌት ይቕፅል ከምዘሎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ

496
0

ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ብ23 ጥቅምቲ 2015 ድሕሪ ዝተበፀሐ ስምምዕ ምቍራፅ ተፃብኦታት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ብሓይሊ ተጋሩ ካብ መረበቶም ብምስጓግ ተግባር ዘርኢ ምፅናት ተግባሮም ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ኣለው ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ። እቲ ትካል ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ተግባራት ደው ከብሎ፡ ክምርምርን ነዚ ተግባራት ዝፍፅሙ ዘለው ሓይልታት ብግቡእ ክቐጽዕን ይግባእ ኢሉ። ኣብ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ትግራይ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር እቶም ሓይልታት ጀኖሳይድ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ብምፍፃም ኣብ ምዕራብ ትግራይ “ኣንፃር ተጋሩ ዘቕነዐ ጐስጓሳት ምፅናት ዓሌት” ክፍፅሙ ፀኒሖም’ዮም ክብል ይኸስስ። ሂዩማንራይትስ ዎች ኣብ ቀረባ ዘካየዶ መፅናዕቲ፡ ቅድም ኢሉ ብግህሰታት ተኸሲሶም ዝነበሩ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱን በላይ ኣያለውን ዝተባህሉ ክልተ ኣዘዝቲ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ስቅያት ከምኡ’ውን ተጋሩ ኣገዲዶም ምስጓግ ይፍጽሙ ኣለው ይብል። “እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ዝተበፀሐ ስምምዕነት ምቁራፅ ተፃብኦታት ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ዓሌታዊ ምፅናት ደው ኣየበሎን” ክትብል ምክትል ዳይሬክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ፡ ላቲሻ ባደር ገሊፃ።

ላቲሻ ወሲኻ ድማ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ዝፍፀሙ ዘለው ገበናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ብቕንዕና ፍትሒ ዘስፍን እንተዀይኑ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግፍዕታት ዝካየድ ዘይሻራዊ ምፅራይ ምቅዋም ደው ከብልን ግህሰት ዝፍፅሙ ዘለው ሰብ መዚ ተሓተትቲ ክገብርን ኣለዎ” ትብል። ሓደ ካብቶም ኣብ ቤት ማ’እሰርቲ ሑመራ ተኣሲሩ ዝነበረ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ “ሕክምና የለን፤ ሰባት እንተሓሚሞም፡ ክሳብ ዝሞቱ ኣብኡ ይፀንሑ። ብዙሓት ሰኣን መግብን መድሃኒትን ሞይቶም እዮም” ክብል ተዛሪቡ። ካልእ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሑመራ ብሓምለ 2014 ተኣሲሩ ዝነበረ ወዲ 42 ዓመት ሰብኣይ፡ “ብሰንኪ መንነተይ ኣሲሮምኒ፤ ትግራዋይ መንነተይ ኣሲሮምኒ፤ መጀመርታ ገበነኛ መን እዩ ዝብል ኣፃሪና ክንፈትሐካ ኢና ኢሎምኒ፤ ግን ኣይገበርዎን፣ ብውሑድ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክልተ ሽሕ ሰባት ነይርና። ኵላትና ተጋሩ ኢና፡” ክብል ነቲ ትካል ተዛሪቡ። ብጥሪ 2015ዓ/ም ክሳብ ዝስጐግ ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝጸንሕ ዝገልጽ ሓደ ሓረስታይ ድማ፡ ብሰንኪ መግረፍቲን ኣሰቃቒ ዓይነት ማእሰርትን ንግዚኡ ኣእዳው ምንቅስቓስ ኣብዮም ከም ዝነበሩ ይዛረብ። “እቶም ዋርድያታት ንብዙሕ መዓልታት ኢድና ንድሕሪት ጠውዮም ኣሲሮምና። በዚ ምኽንያት ንኣዋርሕ ምንቅስቓስ ኢደይ ኣይስምዓንን ነይሩ። ካልኦት ሰባት’ዮም ዝምግቡኒ ነይሮም” እዉን ይብል። ካብዚ ብምብጋስ “ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ህልው ኵነታት ናብ ሱዳን ዝተመዛበሉ ተጋሩ ስደተኛታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ናብ መረበቶም ንምምላስ ምቹው ኣይኰነን” ብምባል ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልፅ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ እቲ ሕጂ’ውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ይፍጸሙ ኣለው ዝበሎም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብሎምን በቶም ገበናት ዝኽሰሱ ኣካላትን ውልቀሰባትን ተሓተትቲ ክገብርን ኣተሓሳሰሲቡ ።

Previous articleድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ጥራሕ ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት 118 ወገናት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ።
Next articleንመርትዖታት ገበናት ኲናት ዝጠቕሙ ምስልታት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጠፍኡ ከምዘለው ቢቢሲ ፀብፂቡ።