Home ዜና ጀኖሳይድ ትግራይ ብሽሙ ክፅዋዕ ከምዘለዎ ሕቶ ቐሪቡ፡፡

ጀኖሳይድ ትግራይ ብሽሙ ክፅዋዕ ከምዘለዎ ሕቶ ቐሪቡ፡፡

940
0

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ጀኖሳይድ ትግራይ ብሽሙ ክፅዋዕ ከምዘለዎ ንምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡ጀኖሳይድ ትግራይ ብሽሙ ክፅዋዕ ከምዝግባእ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን መፀዋዕታ ኣቕሪቦም፡፡ ብራድ ሼርማን ንቅልውላው ትግራይ ጠሚቶም ንምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለው፡፡

እቶም ኣባል ቤት ምኽሪ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀሙ ከምዘለው ድማ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረቱ ኣብ ኲናት ዩክሬይን ኣብ ዝገበረሉ እዋን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ሞት ኮይኑ ከምዘሎ ዝጠቐሱ ብራድ ሼርማን ንትግራይ ዝተውሃበ ጠመተ ድኹም ምዃኑ ሓቢሮም፡፡ ሕዚ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ንጀኖሳይድ ትግራይ ቖላሕታ ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብወረርቲ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ኣሜሪካ ዕላዊ ከምእትገብሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ እታ ሃገር ተገሊፁ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ብራድ ሼርማን ንምንታይ ጀኖሳይድ ምዃኑ ግልፂ ዘይግበር? ክብሉ ድማ ንኣንቶኒ ብሊንከን ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ፡፡ምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብግደኦም እቲ ፍፃመ ብሕጋዊ መንገዲ ንማሕበረሰብ ዓለም ዕላዊ ከምዝግበር ገሊፆም፡፡

መዓዝ ዕላዊ ከምዝግበር ግን ብንፁር ኣይገለፅዎን፡፡ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ሓላፊ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ ንNPR ዝተብሃለ ሬድዮ ጣብያ ኣብ ዝሃብዎ ቃል መሕትት ኣብ ትግራይ ጀኖሳይድ ከምዝተፈፀመ ምርግጋፆምን ብሽሙ ክፅዋዕ ከምዝግባእን ምሕባሮም ይዝከር፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleየምእራብ ትግራይ ተፈናቃዮች በመድሃኒትና በምግብ እጦት ምክንያት ዜጎች ለህልፈት ተዳረጉ፡፡
Next articleብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቃዱ ( ወዲ ነጮ) መግለፂ ሓዘን መንግስቲ ትግራይ!