Home ዜና 12 ባህሪያት መታለልቲ ሞባይል ባንኪንግን መከላከሊኦምን

12 ባህሪያት መታለልቲ ሞባይል ባንኪንግን መከላከሊኦምን

397

ቁፅሪ ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ሞባይል ባንኪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ነቲ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ተጠቀምቲ ብምትላል ዝፍፀሙ ተግባራት ገበን ይዉሰኹ ከምዘሎ እዩ መረዳእታት ዘመላኽቱ።

ሰባት ብሞባይል ባንኪንግ ካብ ዝታለሉሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ነቲ ቴክኖሎጂ ከመይ ከም ዝጥቀሙሉ ብግቡእ ስለዘይፈልጡ እዩ ይብሉ ሰብ ሞያ እቲ ዓዉዲ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዘመናዊ እናዀነ ምስ ምምፅኡ ተተሓሒዙ ብኢንተርኔት ዝግበር መስርሕ ባንኪ (ኦንላይን ባንኪንግ) ማዕረ-ማዕረኡ ድማ ብተሌፎን ዝፍፀም ምትላል ዝያዳ እናወሰኸ ይመፅእ ከምዘሎ ይግለፅ።

ንሓደ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃስ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዘዉፅኦ ሓበሬታ ቃለ-ምስጢር (ፓስዎርድ) ኦንላይን ባንኪን ናይ ኣስታት 74 ሽሕ ሰባት ከም ዝተሰርቀ የመላኽት።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ባንክታት ብሞባይል ባንኪን ዝፍፀሙ ምትላላት ይዉስኹ ብምህላዎም ዓማዊለን ካብ መታለልቲ ክጥንቀቝ ብተደጋጋሚ መልእኽቲ የሕልፋ ኣለዋ። ብበዝሒ ጨናፍርን ዓማዊልን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ካብ ሜላታት ምትላል እቲ ሓደ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብሞባይል ባንክ ግልግሎት ልቓሕ ይህብ ኣሎ ብዝብል ሓበሬታ ዝግበር ምትላል ምኻኑ ይጠቅስ።

ኣብዛ ሃገር ካብ ዘለዉ ባንክታት ሓደ ዝዀነ ባንኪ ኣዋሽ እውን ብዙሓት ዓማዊሉ በዞም ሰረቕቲ ይታለሉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ እዩ። መታለልቲ ካብ ባንክ ኣዋሽ ዝተደወለ ኣምሲሎም ሓደ ግዜ ቃለ-ሚስጥር ሞባይል ባንኪን ብምልኣኽ ዓማዊል የታልሉ ከም ዘለዉ’ዩ እቲ ባንክ ዘረድእ።

ንኣብነት ግልግሎት ሞባይል ባንክ ክንህበኩም ኢሎም ተጠቀምቲ ዝተነግሮም ኮድ ኣብ ተሌፎኖም ከእትዉ ብምግባር ዘታልሉ ኣለዉ።

ኣብ ባንክ ዝተመዝገበ ውልቃዊ ሓበሬታ ጌጋ ስለዘለዎ ከም ብሓድሽ ክንምዝግበኩም ኢሎም ውልቃዊ ሓበሬታ ዝወሰዱ’ውን ኣለዉ።

ብተወሳኺ ገለ ሰባት መተግበሪ – ኣፕሊኬሽን – ሞባይል ከነሐድስ (ኣፕዴት) ክንገብረልኩም ብዝብል’ውን ንምትላል ተቓሊዖም እዮም።

መታለልቲ መሰረታዊ ከም ቃለ-ምስጢር (ፓስዎርድ) ዝኣመሰሉ ውልቃዊ ሓበሬታ ረኺቦም ማለት ናብ ባንክ ሒሳብና ክኣትዉን ዓቢ ክሳራ ከስዕቡን ይኽእሉ እዮም።

ባህሪያት መታለልቲ ሞባይል ባንኪንግ

  1. ቴለፎን ይድውሉ፤ ዝተደወለሎም ሰባት ቴለፎን ምስ ኣልዓሉ ካብ ባንክ፡ መንግስታዊ ትካል፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ካብ መደበር ፖሊስ ከም ዝደወሉ መሲሎም ይቐርቡ።
  2. መታለልቲ ህዉኻት እዮም። እቶም ዘታልልዎም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ነገር ዝሓስብሉ ግዜ ምእንቲ ከይረኽቡን ካብ መጠን ንላዕሊ ትእዛዛት ይህቡ፡ ኣእምሮ ናይቶም ዘታልልዎም ብምቍፅፃር ድማ ድላዮም ይፍፅሙ።
  3. ድላዮም ክሳዕ ዝረኽቡ ኣይዓርፉን፤ ደጋጊሞም ይድውሉ፣እዚ እንተዘይገይርኩም ከምዚ ዝበለ ፀገም ከጋጥመኩም’ዩ ኢሎም የፈራርሑ፤ ብሕጊ ክትግደዱ ኢኹም ይብሉ። መጠንቀቕታ/መፈራርሒ ብምሃብ ውልቃዊ ሓበሬታ ክረኽቡ ይፍትኑ።
  4. ብተወሳኺ ሓቂ ዘይመስል ነገር ቃል ይኣትዉ። 500 ሽሕ ብር ስለዝተዓወትኩም እዚ ሽልማት ናብ ባንክ ሕሳብኩም ንምስግጋር 50 ሽሕ ብር ንምኽፋል ይሓቱ።
  5. ከምዚ ዝበሉ ኵነታት፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ወይ ገንዘብ ንምውሳድ ዝዓለመ ስለዝዀነ ፈፂምካ ዘይምትሕብባር መፍትሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ይምከር።
  6. ባንክና ብሞባይል ባንኪንግ ኣቢሉ ግልጋሎት ልቓሕ ምሃብ ስለዝጀመረ ነዚ ዝስዕብ ኮድ ብምእታው ተጠቃሚ እቲ ግልጋሎት ይኹኑ፤
  7. ግልጋሎት ሞባይል ባንኪንግ ከነስተኻኽለልኩም ስለዝኾንና ንነግሮም ቁፅሪ ወይ ኮድ የእትዉ፤ መረዳእታኹም ብትኽክል ስለዘይመላእኹም ክንእርመልኩም ኢና፤
  8. ሽልማት ስለዝበፅሖም፡እቲ ሽልማት ክለኣኸሎም ገንዘብ የቐምጡ፤
  9. ስርዓተ ሞባይል ባንኪንግ ክነሕድሰልኩም ኢና፤
  10. ገንዘብ ካብ ባንኪ ኣታዊ ከምዝተገበረሎም ዝገልፅ ናይ ሕሶት መልእኽቲ ሞባይሎም ወይ ድማ ኢ-ሜይሎም ክለኣኽ ይኽእል፣
  11. ሲም ምቕያር ሲም እንተተቐይሩ መፍለዪ ቁፅሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካሊእ ኣካል ክውዕል ይገብር፣
  12. ምትላል ግልጋሎት ፋይናንስ፡- መፍለዪኦም ዝተዓፀወ ብምምሳል ብህፁፅ ንኽኸፍቱ ዝጥቅዑ፣ ኣጠራጠርቲ መፍለዪ ምንቅስቓሳት ከምዝተርኣየን ንኸረጋግፁ ዝሓቱን ካልኦት ተመሳሰልቲ ምትላላትን ከጋጥሙ ይኽእሉ

ካብ መታለልቲ ብኸመይ ንከላኸል?

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምትላል ኣቓልቦ ብምሃብ ካብ ምትላል ምድሓን ከም ዝከኣል ክኢላታት ይገልፁ።

መልእኽቲ መፂኡኩም ድዩ? ወይስ ተሌፎን ተደዊሉልኩም? ህድእ ኢልኩም ኣስተውዕልሉ። ዝዀነ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳድኩም ነቲ ኩነታት ኣፃርዩ። ካበይ እዩ ተላኢኹ/ተደዊሉ? ንምንታይ? እዚ መልእኽቲ ናባይ ክለኣኽ ይኽእል ድዩ? ብተሌፎን ድዩ ክንገረኒ ዝግባእ? ንምንታይ? ዝብሉ ሕቶታት ንሕተት።

ኵሉ ዝለኣኸልና መላግቦ (ሊንክ) ስቕ ኢልና ካብ ምኽፋት ንቈጠብ።

ካብ እንፈልጦ ሰብ ከይተረፈ ዘጠራጥር መልእኽቲ እንተመፂኡና፡ ነቲ ሰብ ብኻልእ መንገዲ ክንረኽቦ ንፈትን፤ ምኽንያቱ ናይቲ ሰብ ተሌግራም ወይ ዋትስኣፕ ብመታለልቲ ተጠሊፉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝመፀልና መልእኽቲ ፅሑፍ ዘሎ ሊንክ ብምኽታል መተግበሪ ካብ ምውራድ ክንዕቀብ ይግባእ። ሓደ መተግበሪ ክነውርድ እንተደሊና ሕጋዊ መርበባት መተግበሪ ንጠቐም – ንኣብነት ኣፕልሰቶር ወይ ድማ ፕለይስቶር።

ዘጠራጥር ወይ ናይ ምትላል ዝመስል ሕቶታት እንተቐሪቡልና ንዝምልከቶ ወሃቢ ግልግሎት ወይ ንፖሊስ ሓበሬታ ንሃብ።

መታለልቲ ግዳያቶም ንምህዳን መብዛሕትኡ ግዜ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጥቀሙ እዮም ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንርእዮም ነገራት ክንጠራጠር ኣድላዪ እዩ።

ብፍላይ ምስ ባንክ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ እንተተሓቲትና፡ ኵሉ ግዜ ናብቲ ጨናፍር ባንክ ብምኻድ፡ ብምድዋል፡ ወግዓዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይቲ ባንክ ብምፍታሽ ብዛዕባ ዝህብዎ ግልግሎት ይኹን ብዛዕባ እቲ ዝመፀልና መልእኽቲ ንምፅራይ ምፍታን ቀሊልን ካብ ምትላል ዘድሕንን መንገዲ እዩ

 መከላኸሊ መንገዲታት፦

ሞባይልና (መገልገሊ መሳርሒና) ምቑላፍ፡- ብፍላይ ዕድጊታት ኣብ ንፍፅመሉ እዋን ይኹን ብዝኾነ ይኹን እዋን ድሕንነቱ ብዝተሓለወ ኩነታት ምሓዝ፤ ብጥንኩር ይሕለፍ ቃል (ፓስዋርድ) ወይ ድማ ብኣማራፂታት ባዮሜትሪክ ምቑላፍ፣

ዕድጊታት (ክፍሊታት) እንትንዛዝም መተግበሪ ክፍሊት (ዌብሳይት) ዓፂና ብምውፃእ ፓስዋርድና ሴቭ ከምዘይኮነ ምርግጋፅ የድሊ፣

ኩነታት ሒሳብ ባንኪና (ታሪኽ) በቢእዋኑ ምፍታሽ/ምምልካት፣ ዝኾነ ዕድጊት ሞባይል ባንኪንግ ብናፃ ዋይፋይ ዘይምፍፃም፤ ኩሉግዘ ሞባይል ዳታ ምጥቃም፤ ዘገድድ ኩነታት እንተጋጥም እኳ ብዘይ ቪ ፒ ኤን ናፃ ዋይፋይ ዘይምጥቃም፣ ከምኡ‘ውን ካብ ዘይፍለጥ ፍልፍላት ዝመፁ ላንቸራት ኣይኽፈቱ።

ምንቅስቓስ ሒሳብ (ትራንዛክሽን) ኣብ ዝካየደሉ እዋን ዝተልኣኸሎም ገንዘብ ብናይ ባዕሎም ሞባይል ባንኪንግ እንተዘይኣረጋጊፆም ቅብሊት ዕድጊት ሪኦም ዕድጊት ኣይፈፅሙ (ቅብሊት ብምዕራይ ዘጭበርብሩ ስለዘለው)።

ስለዚ ተመሳሰልቲ መልእኽትታት ምስ መፀልኩም ናብ ጨንፈር ባንኪኹም ብምኻድ ወይ ብምድዋል ሓቅነቱ ከየረጋገፅኩም ዝኾነ ስጉምቲ ከይትወስዱ ይምከር።

ኣብሪሃ ካሕሳይ