Home ዜና 60 ሽሕ ተምሃሮ ናብ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝቕረቡ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ትምህርቲ...

60 ሽሕ ተምሃሮ ናብ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝቕረቡ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

379

ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘመሓድረን ከባብታት 60 ሽሕ ተምሃሮ ናብ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝቕረቡ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ተጀሚሩ ዘሎ ብሄራዊ ፈተና ተረጋጊዖም ልዕል ዉፅኢት ንምምፃእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ድማ ተምሃሮ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መቐለ ገሊፆም።    

ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘመሓድረን 76 ወረዳታት ኣብ 1114 ኣብያተ ትምህርቲ 60 ሽሕ ተምሃሮ ናብ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝቐረቡ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣተሓባባሪ ጉጅለ ብሄራዊ ፈተናታት ኣይተ ተክለሃይማኖት ገ/እግዚኣብሄር ድሕሪ ኲናት ኣብ 2012 ዓ.ም ክፍተኑ ዝነበሮም ሰነ 2015 ዓ.ም ዝተፈተኑ 57 ሽሕ ተምሃሮ 98 ሚእታዊ ከምዝሓለፉን ሕዚ እዉን ኣብ 2ይ ዙር ፈተናማሕበረሰብ ትምህርቲ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ፀገም  ተፃዊሩ ፅቡቕ ምድላው ከምዝተገበረንዝሓሸ ዉፅኢት ትፅቢት ከምዝግበርን ሓቢሮም።

ዉፅኢት ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ እዚ ዓመት ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ፡ብሰለጤን,ፅፈትን ተኣማንነትን ቐልጢፉ ተዛዚሙ ዕላው ከምዝኾዉን እዉን ኣይተ ተክለሃይማኖት ኣረዲኦም።

ተፈተንቲ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መቐለ ተምሃሮ ትዕግስቲ ገ/ስላሴ፡ተመስገን ግደይን ማህሌት ሃረገወይንን ድሕሪ ኲናት ካብ ሕቶ ህልዉና ናብ ትምህርቲ ምምላሶም ከምዝተሓጎሱን ተረጋጊዖም ብመሰረት ዝተወሃቦም መምርሒ ተፈቲኖም ፅቡቕ ዉፅኢት ንምምፃእ ትፅቢት ከምዝገብሩ ሓቢሮም።   

ርእሰ መምህር ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መቐለ መምህር ኪሮስ ኣሰፋን ሱፐርቫይዘር ክላስተር ኣብያተ ትምህርቲ መቐለ መምህር ሙሉጌታ ገ/እግዚኣብሄርን ተምሃሮ ብሰንኪ ኲናት ዝባኸነ ትምህርቶም ተዓፃፂፎም ብምክሕሓስ ፅቡቕ ምድላዋት ከምዝተገበረን ተምሃሮኦም ድማ ከይተደናገፁ ፈተነኦም ሰሪሖም ልዕል ዉፅኢት ከምዝግቡ ይግባእ ኢሎም።

ገብረመድህን ተወልደመድህን