Home ዜና ሂወት ተመዛበልቲ ኣዴታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ተሰጋጊሩ፡፡

ሂወት ተመዛበልቲ ኣዴታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ተሰጋጊሩ፡፡

ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ኣዴታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ምፍፃሞም ተመዛበልቲ ኣዴታት ገሊፀን፡፡ እዘን ኣዴታት ብሰንኪ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ዓፀባ ኣምሓራ ነቡር ተቃሊዐን ከምዝርከባ ይዛረባ፡፡ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ርህርሄ ዘይበሉ ብዘስካሕክሕ ጭካነ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ግፍዒ ፈፂሞን ይፍፅሙን ኣለወን ፡፡ ወ/ሮ በሪሁ ገብረስላሴን ወ/ሮ ሓጉሻ ኣረጋዊን ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝነበረን ሃፍትን ጥሪትን ተወሲዱ ካብ መረበተን ብግፈዒ ተባሪረን ኣብ ከተማ #መቐለ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ሓ ተዓቂበን ይርከባ፡፡ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብቲ እዋን ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊአንን ስድረአን ግፍዕታት ከምዝፈፀሙ ተዛሪበን፡፡ እዘን ኣዴታት ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ካብቲ ሙዉቅ ጎጀአን ምምዝባለን ከይኣኽለን ንቡር ሓሪሙወን ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብፋሽሽታውያን ተነቢሩ ኩለመዳያዊ ዕፅዋን ክባን ንዓፀባ ከም ዝተቃለዓ ገሊፀን፡፡ ማሕበረሰብ #ዓለም እቲ ሰብ ስራሕ ዓፀባ መፍትሒ ንምንዳይ ኣበርቲዑ ክሰርሕን ኣብ ሓደጋ ሞት ንዘለዋ ኣዴታት ን ህፃናትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ተላቢየን። ብሰላማዊት ገ/ኣምላኽ

1377