Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሃገር ለኸ ቕነ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ትግራይ

ሃገር ለኸ ቕነ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ትግራይ

63

ካብ 1-5 ሰነ 2016ዓ/ም ካልኣይ ዙር ሃገር ለኸ ቕነ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ትግራይ ክሳለጥ እዩ።

ቢሮ ኢንዲስትሪ ትግራይ ምስ ሚኒስተር ኢንዱስትሪን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ብምትሕብባር “ምንቕናቕ ኢንዱስትሪ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኻልኣይ ዙር ሃገር ለኸ ቕነ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ትግራይ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገም ሰፊሕ ብምዃኑ እቲ ኻልኣይ ዙር ሃገር ለኸ ቅነ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ትግራይ ሕውየት ብምርግጋፅ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንምስላጥ ከምዝሕግዝ ሓላፊ ቢሮ ኢንዲስትሪ ትግራይ ገ/ህይወት ዓገባ (ዶር) ገሊፆም።

ብብርኪ ሃገር ሓዱሽ ፖሊሲ ኢንድስትሪ ከምዝወፀ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ካብ ክልላት ንኽሳተፉ ዕድመ ተገይሩ ከምዘሎን ኣስታት 160 ተሳተፍቲ ክመፁ ትፅቢት ከምዝግበርን እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጥ ካልኣይ ዙር ሃገር ለኸ ቅነ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ናይ ቦታ ለውጢ ከምዝተገበረሉ እውን ተሓቢሩ።

#ብኣበባ_ፅጋቡ