Home ቢዝነስ ሃፍቲ ዓሳ ትግራይ

ሃፍቲ ዓሳ ትግራይ

94

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 120 ሽሕ ኩንታል ሃፍቲ እንስሳ ዓሳ ብዓመት ምርካብ ይክኣል እዩ ኢሉ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ።

እቲ ቢሮ ነዚ ዝገለፀ ምስ ቃልኪዳን ሰቖጣ ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሃፍቲ ዓሳን ማሕበራትን ዝተሳተፍሉ መድረኽ መዕበዪ ግንዛበ ኣብ ዘሳለጠሉ እዋን እዩ።

ኣተሓባባሪ ልምዓት ንህቢ፣ ዓሳን ሓሰኻ ሃርን እቲ ቢሮ ኣይተ ጉዑሽ ወ/ኣብዝጊ ምንቅስቓስ ሃፍቲ ዓሳ ትግራይ ምስ ካልኦት መደባት ሃፍቲ እንስሳ እንትነፃፅር ሓፂር ዕድመ ዘለዎን ብስፍሓት ዘይተጠቐምናሉን ሃፍቲ እዩ ኢሎም።

ሕ/ሰብን መንግስትን ንልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ዝህብዎ ጠመተ ትሑት ብምኳኑ ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ኣካላት ክንድቲ ዝድለ ተረባሕቲ ዘይምዃኖም ተሓቢሩ።

መናእሰይ በቢከባቢኡ ብምውዳብ ፣ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ንምብራኽን ሕ/ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዘለው ፀጋታት ንምጥቃምን ዘኽእል ስራሕቲ ይዓሙ ከም ዘለው ድማ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዳይሬክተር ምምሕያሽ ጨገረት ሃፍቲ እንስሳ ኣይተ ታደሰ ጉግሳ ገሊጾም።

ዓሳ ስነ መዓዛ ህፃናትን ኣዴታትን ንምምሕያሽ ተመራጻይ ብምዃኑ ሕ/ሰብ ኣብ ኣደላልዋን ኣመጋግባን ምግቢ ዓሳ ዘለዎ ልምዲ ከበርኽን ፀጋታት ከባቢኡ ናብ ረብሓ ክልውጥን ከም ዝግባእ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።

#ብመርሃዊ_ተስፋይ