Home ዜና ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሰን ከምዘሐይላ ዋዕሮታት ትግራይ ገሊፀን፡፡

ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሰን ከምዘሐይላ ዋዕሮታት ትግራይ ገሊፀን፡፡

ዋዕሮታት ተጋደልቲ ትግራይ ካብ ሕሉፍ ዝወረሰኦ ጅግንነት ወለደን ብዝግባእ ብምዕቃብ ሕዚ እውን ብዝዛየደ ቅያን ጅግንነትን ወለደን ይደግማ ከም ዘለዋ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ገሊፀን፡፡ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተላፊኖም ነቲ ጀጋኑ ዘፍሪ ማህፀን ኣዶ ትግራይ ንምምካን ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈፀመዎ መነዎሪ ዝኾነ ግፍዒ ሕነ ንምፍዳይ ዝወፃ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ትግራይ ብዘጋጥምዎን ፀገማት ከይተበገራ ግቡአን ይፍፅማ ከም ዘለዋን ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝተሓንገጥና ንዝመፁ ፀገማት ብምብዳህ ንቅድሚት ከም ዝግስግሳ ተገዳሊት ሰላም ገብረዋህድን ተጋዳሊት መርሃዊት ይብራህን ገሊፀን። ኣብ ሕሉፍ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ምድምሳስ ደርባውን ጨቃኒ ስርዓት ደርጊ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረት ነባር ተጋዳሊት ስላስ ወልዳይ ሚስጢር ህዝብን ውድብን ብምዕቃብ መስተንክራዊ ስርሒት ይፍፅማ ከምዝነበራ ኣዘኻኺራ፡፡ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ እውን ዋዕሮታት ትግራይ ምስ ነባራት ተጋደልቲ ብዝግባእ ተመክሮ ብምውርራስ ብዝበለፀ ቅያን ጅግንነትን ወለደን ይደግማ ከምዘለዋ ዝገለፃ ድማ ነባራት ተጋደልቲ ትግራይ ተጋዳሊት ፀጋ መለስን ተጋዳሊት ትዕበ ቢተውን እየን፡፡ ሕዚ እውን ንህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንድሕሪት ኣይንብልን ዝበላ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፣ ትግራይ መሊኣ ሓራ ክሳብ እትወፅእን ብሩህ ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝጋሃድን ድማ ቃልሰን ከም ዘሐይላ እውን ወሲኸን ሓቢረን፡፡ ብኣስቴር ገ/ስሉስ

1748