Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ከተማ ሽረ እንዳስላሴ

ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ከተማ ሽረ እንዳስላሴ

76

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ካብ ዝህነፅ ዘሎ 2 ነጥቢ 3 ኪ/ሜ እቲ 720 ሜትሮ መንገዲ ኣስፋልት ግንቦት 26/ 2016 ዓ/ም ሙሉእ ንሙሉእ ምፃፍ ኣስፋልቲ ብምዝዛሙ ስነ ስርዓት መበሰሪ ምርቃ ተኻይዱ።

እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ከምዝፍፀም ኣብ ሱር ኮንስትራክሽን ፕሮጀክት ማናጀር ሸረ፣ ኣክሱምን ዓድዋን ኢጅነር ሰለሙን ሃ/ለስላስ ይሕብሩ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላስ ገ/መድህን ዮዉሃንስ ክሳብ ሕዚ ብ225ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፅ ዘሎ እዚ መንገዲ ኣስፋልት ብዝተተሓዘሉ ግዜ ህንፀቱ ክዛዘም ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም።

ሱር ኮንስትራክሸን እቲ ፕሮጀክት ህንፀት መንገዲ ኣስፋት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምዝዛም ረብሓ ህዝቢ ብምቅዳም ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ዝነኣድ እዩ ዝበሉ ነበርቲ ሽረ እንዳ ስላሰ ወኪሎም መልእኸቲ ዘሕለፉ ወገናት ዝግበር ዘሎ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ከምዝፈተሐሎም ብምግላፅ ተጠናኺሩ ክቅፅል ተላብዮም ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብሰንኪ ኲናት ኣብ መሰረተ ልምዓት ከቢድ ዕንወት በፂሑ እዩ ብምባል እቲ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ዳግም ንምህናፅ ዝግበር ዘሎ ሩኡይ ምንቅስቓስ ብምንኣድ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዉን ደገፍ ከምዝገብረ ኣብሪሆም።

#ብእየሩሳሌም_ገ/መድህን