Home ዜና ህንፀት ፕሮጀክት ኣስፋልት ከተማ መቐለ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ከም ዝዛዘም ሰብ ሞያ...

ህንፀት ፕሮጀክት ኣስፋልት ከተማ መቐለ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ከም ዝዛዘም ሰብ ሞያ ሓቢሮም ።

660

ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክታት መንገዲ ኣስፋልት ክረምቲ ቅድሚ ምእታው ብፅሬት ክዛዘሙ ይግባእ ክብሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሪኢቶኦም ገሊፆም።መንእሰይ ባይረ በርሀ ኣብ ከተማ መቐለ ነባራይ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኮይኑ ኣካል ጉዱእ ዩ ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበሩ ነባራት ዋና መንገድታት ኣስፋልት ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ምችዉነት ዘይነበሮም እኳ እንተነበሩ ብፍላይ ከማይ ንዝበሉ ጉዱኣት ኣካል ድማ ኣብ ግምት ዘየእተዉን ኣፀገምትን መንገድታት ዮም ኔሮም ድሕሪ ምባል እቶም ሐዚ ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፁ ዘለዉ ሓደሽቲ መንገድታት ኣስፋልት ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ምችዉነት ዘማእኸለ ኮይኖም ክስርሑ ከም ዘለዎም ሪኢቱኡ ንቴሌቪዥን ትግራይ ገሊፁ።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ነቲ ብዂናት ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ንምትካእን ቀፃላይ ዕብየታ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምምፃእን ዝሰርሖም ዘለዉ መንገድታት ኣስፋልት ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ኣብ ምዕባይ ዘለዎ እጃም ዕዙዝ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ዝናኣድ ዩ ዝበሉ ድማ ካልኦት ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣይተ መንግስቱ ተሰማን ወይዘሮ ኣልማዝ ኣለማዮን ዮም ።ከተማ መቐለ ንዕድሚኣን ታሪኻን ዘይምጥኑ መንገድታት ሒዛ ከምዝፀነሐት ዝገልፅ ካሊእ ነባራይ ከተማ መቐለ ኢንጅነር ዝናቡ ኣድሃና ህንፀት ፕሮጀክት መንገዲ ኣስፋልት እታ ከተማ ንፍሰት ትራፊክ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥርን ንግዳዊ ምንቅስቓሳታ ዉን መልክዕ ዘትሕዝን ክኸዉን ትፅቢት ይግበር ኢሉ።

እንተኾነ ግን ይብሉ እዞም ነበርቲ እቲ ዝህነፅ ዘሎ መንገዲ ኣስፋልት ቅድሚ ክረምቲ ምእታው ይዉዳእ ዶ ይኸዉን ዝብል ዓብይ ስግኣት ኣለና እዚ ስግኣት ዉን ናይ ኩሉ ነባራይ ህዝብና ዩ ኢሎም ።ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት መንገዲ ኣስፋልት ከተማ መቐለ ምስ ቀፃሊ ዕብየታ ዝኸይድን ብፍላይ ድማ ነቲ ዘሎ ዓብይ ናይ መፋስሳት ፀገማት ብዘላቕነት ዝፈትሕን ክኸዉን ኣብ መፅናዕቲ ተመስሪቱ ክስራሕን ኣብዚ መዳይ ድማ ኣማኸርቲ ሞያዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ብምትሕስሳብ ነባራይ ህዝቢ ከተማ መቐለ ዉን ብትዕግስቲ ክፅበን ሓጋዛይ ብፅሒቱ ክፍፅምን እቶም ነበርቲ ኣተሓሳሲቦም።

ህንፀት መንገድታት ኣስፋልት ከተማ መቐለ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝተጀመረን ቀዳማይ ዙር ተመሪቑ ናብ ሙሉእ ግልጋሎት ምእታዉን ኣብ ካልኣይ ዙር ህንፀት መንገድታት ኣስፋልት እታ ከተማ ድማ 45 ኪሎ ሜትሮ ክህነፅ ተታሒዙ ዛጊድ እቲ 12 ኪሎሜትሮ ከም ዝተዛዘመን እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ከይዲ ህንፀት ከም ዝርከብ ዝገለፁ ኣብ ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ከተማ መቐለ ኢንጅነር ብርሃነ ገብረመድህን ዮም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ሓዊሱ ካብ ሓውዜን ኣደባባይ ናብ ሮማናት ፡ ካብ ሮማናት ኣደባባይ ናብ ካስትልን እግሪ ምትካልን ዝህነፅ ዘሎ መንገዲ ኣስፋልት እታ ከተማ 9 ኪሎሜትሮ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ኢንጅነር ብርሃነ ዛጊድ ካብ ሓውዜን ኣደባባይ ክሳብ እግሪ ምትካል ይካየድ ኣብ ዘሎ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት 16 ሚኢታዊ ከም ዝበፀሐን ዉን ገሊፆም።ኣብ ፕሮጀክት ህንፀት መንገድታት ኣስፋልት ከተማ መቐለ ካብ ሮማናት ናብ ካስትል ኣብ ዝወስድ ዋና መስመር ብዙሕ ዘይተገመተ ማይ ከርሰ ምድሪ ከም ዝተረኸበን ንምእላዮም ዘፀገሙ ተፋሰሳት ዉን ብምህላዎም ነቲ ከይዲ ህንፀት ምዝንጋዓት ፈጢሩ ዩ ዝበሉ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ኮንስትራክሽን ኢንጅነር ግርማይ ሓዱሽ ዮም።

ከይዲ ህንፀት መንገድታት ኣስፋልት ከተማ መቐለ ምስ ቀፃሊ ዕብየት እታ ከተማ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ይሳለጡ ከም ዘለዉ ዝገለፁ ኢንጅነር ብርሃነ ገብረመድህንን ኢንጅነር ግርማይ ሓዱሽን ብፍላይ ድማ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ናይ ተፋሰስ መሰረታዊ ፀገም ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ፍታሕ ዝሃበ ህንፀት ይሰላሰል ከም ዘሎ ወሲኾም ገሊፆም ።ህንፀት መንገድታት ኣስፋልት ከተማ መቐለ ዝጥቀመሎም ዘለው እታወታት ኮንስትራክሽን ብላብራቶሪ ዝሓለፉን ዓለም ለኻዊ ደረጀኦም ዝሓለዉን ከም ዝኾኑ ዝገለፁ እዞም ኢንጅነራት ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ካርታመ ፡ ፀፀር ፡ ሓመድ ትቦታትን ካልኦት ንስራሕቲ ድልድላትን መፋስሳትን ዝዉዕሉ እታወታት ኣብ ናይ ሱር ኮንስትራክሽን ላብራቶሪ ተሰሪሑሎም ምስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሰብ ሞያ ፅሬት ተቖፃፀርቲ ብምንባብ ዝሰራሕ ምዃኑ ዉን ኣብሪሆም ።እቲ ካብ ሓውዜን ኣደባባይ ክሳብ እግሪ ምትካል ዝካየድ ዘሎ ህንፀት ፕሮጀክት ኣስፋልት ከተማ መቐለ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ከም ዝዛዘም ዉን እቶም ሰብ ሞያ ሓቢሮም።

ዮሃንስ ብርሃነ