Home ዜና ህዝቢ ዓንዲ ሑቖ ቃልሲ

ህዝቢ ዓንዲ ሑቖ ቃልሲ

916

ሰራዊት ትግራይ ካብ ስሩዕ ውግእ ናብ ደባይ ውግእ ንኽሰጋገር ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን  ህዝቢ ወረዳ #ማይ ቅነጣል ቃልሲ ወልዓይ ሓሳብ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ኣብ ቃሉ ፀኒዑ ፀላእቲ ብምምካት ንተጋደልቲ ሓቦን ፅንዓትን ኮይኑ ፋሽስታውያን ኣብ ሓፂር እዋን  ክድምሰሱ ኩለመዳይ መኸተ ኣካይዱ እዩ፡፡

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ዓመት ካብ ዝነበረ እዋን ፅልምትምት ወፂኡ ናብ ወሳናይ ምዕራፍ ቃልሲ ብምስግጋሩ ድማ ሓበን ተሰሚዕዎም ኣሎ ነበርቲ ወረዳ ማይ ቅነጣል ፡፡

ኣብ 2013 ዓ/ም ሰራዊት ትግራይ ካብ ስሩዕ ውግእ ናብ ደባይ ውግእ ተሰጋጊሩ ፀላእቲ ክምክት ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን ተጋደልቲ ቀፃሊ ኣንፈት ቃልሲ ህዝቢ ኣመልኪቶም ኣብ ወረዳ ማይ ቅነጣል ጣብያ ማእኸል ሰግሊ ፈላማይ ዘተ ምስ ኣካየዱ፤ ህዝቢ ካብኡ ዝድለ ዘበለ ኩሉ ብምፍፃም ገስጋሲ ቃልሲ ክኸውን ታሪኻዊ ውሳነ ብምምሕልላፍ ፀላእቱ ብፅንዓት ከምዝመከተ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ተጋዳላይ የውሃንስ ወ/ጊዮርጊስ /መዲድ/ ገሊፁ፡፡

ጎና ጎኒ እቲ ዝካየድ ዘሎ መኸተ ፀላእቲ ታሪኽ ተጋድሎ ትግራይ ተሰኒዱ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ብምስግጋር ህላወ ህዝቢ ዘረጋግፁ ቀፀልቲ መፍትሒ ሓሳባት ክናደየሉ ብሰራዊት ትግራይ ታሪኽ ይስነድ ምህላዉ ተጋዳላይ የውሃንስ ወ/ጊዮርጊስ /መዲድ/ ገሊፁ፡፡

ኣካል እቲ ምስናድ ታሪኽ ዝኾነ ቃልሲ ተጋድሎ ዘዘንትውን መዘከርታን ሕድሪ ንኡስ ወለዶ ዘቐብል ተኽሊ ኣመራርሓ ሰራዊትን ኣመሓደርቲ ህዝብን ኣብታ ታሪኻዊት ቦታ ተኺሎም፡፡

ተምሳሌት ቅብብልን ብሩህ መፃእን ዘኾነ ተኽሊ ንኡስ ወለዶ ንኽከናኸን ሓደራ ብምቕባል ተማሂሩን ተመራሚሩን ድማ ብፀላእቲ ዘይትድፈር ትግራይ ከግህድ ተጋዳላይ የውሃንስ ወ/ጊዮርጊስ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ህዝቢ ጣብያ ማእኸል ሰግሊ ሓቦን ፅንዓትን ተጋደልቲ ኮይኑ ኩለመዳይ መኸተ ዘካየደሉ ቃልሲ ኣብዚ ብምብፅሑን ፍረ ቃልሱ ክርእይ ብምጅማሩን ሓበን ተሰሚዕዎ ምህላዎም ንቴሌቭዥን ትግራይ ሪኢቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ ሓቢሮም፡፡

ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ብዓወት ከምዝዛዘም ኣሚቶም ነበርቲ ወረዳ ማይ ቅነጣል ቃልሶም ንምሕያል ድማ ኣብ ምርብራብ ከምዘለዉ ኣረጋጊፆም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ