Home ዜና ህፁፅ ፍታሕ ዝጠልብ ስቓይ ተመዛበልቲ ትግራይ

ህፁፅ ፍታሕ ዝጠልብ ስቓይ ተመዛበልቲ ትግራይ

543

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ከተማ ባድመን ተመዛብሎም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣዕቕቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከምዝወደቑ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ኣረጋዊ ገ/ጠርቆስን ኣይተ ሽሻይ ሓጎስን ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ወ/ሮ ለታይ ገ/ሚካኤልን ንእስቲ ኣኽበረት ይርጋን ድማ ካብ ከተማ ባድመ ተመዛብሎም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ወገናት እዮም፡፡

እዞም ወገናት ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከምዝርከቡ ይገልፁ።

ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ከቢድ ጥምየት ክረምቲ ይኣቱ ምስ ምእታው ተተሓሒዙ መፅለሊ ከምዘይብሎም ዝሓበሩ እቶም ተመዛበልቲ ወገናት ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ርእሲ ጥሜቶም ሕማም ዓሶ ሓዊሱ ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ይኾኑ ከምዘለውን ግልጋሎት ሕክምና እውን እተኾነ ከምዘይረኽቡን ይዛረቡ፡፡

ዘለና ኩለመዳይ ፀገም ዝፍታሕ ናብ መረበትና ተመልስና ዕለታዊ ናብራና እንትናሳልጥ እዩ ዝበሉ እቶም ወገናት ሓይሊታት ፅንተት ብህፁፅ ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፁን መንግስቲ ትግራይ ኮነ መንግስቲ ፌደራል ድማ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምልስዎምን ይሓቱ፡፡

ብተወሳኺ እውን እቶም ተመዛበልቲ ወገናት ተመዛቢሉ ኣብ ከቢድ ፀገምን ስቓን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዝምልከቶም አካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ቅልጡፍ መፍተሒ ክግበረሉ ይፅውዑ፡፡

#ብታደለ ዳኘው