Home ዜና ህፃን ክናቢ ዝተፈረደሉ ህፃን

ህፃን ክናቢ ዝተፈረደሉ ህፃን

1174

ሰራዊት ኢሳያስ ወለዱን ቤተሰቡን ዘፅነተሉ ህፃን ዳንኤል ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ሓዉ ክናቢ ሓላፍነት ተሸኪሙ ፡፡ ኣብ ማርያም ሸዊቶ ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ህዝቢ ብኣልማሚት እንትጭፍጭፍ ወዲ 10 ዓመት ህፃን ዳንኤል ገ/ህይወት ኣቡኡ ፣ ኣዲኡ ፣ ኣባሓጉኡ፣ ኣሙኡን ካልኦት ሰለስተ ጎረባብቱን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ተረሺኖም፡፡ ካብ መርሸንቲ ዝተረፈ ህፃን ዳንኤል ወለዱን ቤተሰቡን በቲ ኣራዊት ሰራዊት ስለዝተጨፍጨፉ ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ሓዉ ህፃን መዋእል ገ/ህይወት ኣብ እዋን እቲ ጨፍጫፍ ክናቢ ካብ ኣዲኡ ሓላፍነት ክቕበል ተገዲዱ ፡፡

ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ስድርኦም ዘፅነተሎም ሓሙሽቲኦም ኣሕዋት ህፃናት ሕዚ ካብ ጨፍጫፍ ዝተረፈት ኣምኦም ትናብዮም ኣላ፡፡ህፃን ዳንኤል ገ/ህይወት ኣብ ወረዳ ዓድዋ ነባሪ ጣብያ ማርያም ሸዊቶ እዩ፡፡ ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ንተኸታተልቲ መዓልትታት ዝረኸቦ ሰብ ኣብ ማርያም ሸዊቶ እንትጭፍጭፍ ህፃን ዳንኤል ልዕሊ ኣእምርኡ ዝኾነ ግፍዕታት ክዕዘብ ተገዲዱ፡፡ እቲ ኣራዊት ሰራዊት ነቡኡ ፣ ኣዲኡ ፣ ኣባሓጉኡ ፣ ኣሙኡን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ረሺንዎም፡፡ ተግባር ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ተረዲኣ ዝፀንሐት ኣዲኡ ” እንተቐቲሎምና ንህፃን ሓውካ ናብ እንዳባሓጎኻ ውሰዶ ’’ ዝብል ሓላፍነት ሂባቶ፡፡

ብኡ መሰረት ድማ ንወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ሓዉ ህፃን መዋእል ገ/ህይወት ሽንጥሮ ሰጊሩ ናብ እናሓጉኡ ክበፅሕ ገይርዎ፡፡ ንህፃን ዳንኤል ናብ ዉሑስ ተባሂሉ ዝተሓሰበ ቦታ ምስ ኣብፅሐ እንስሳ ገዝኦም ንምውሳድ ምስ ምንኣሱን ምንኣስምንኣሱን ተመሊሶም እንትፍትኑ እቲ ኣራዊት ሰራዊት ንህፃን ዳንኤል ክቐትሉዎ እንትብሉ ጎረባብቲ ኩነታቶም ምስ ኣረድኡ ነቶም ህፃናት ሓዲጎም መራሒ ሃይማኖት ዝርከብዎም ሰለስተ ጎረባብቶም ኣብ ቅድሚኡ ቀቲልዎም፡፡

ህፃናት ዳንኤል ገ/ህይወት ፣ ዳዊት ገ/ህይወት ፣ እዮብ ገ/ህይወት ፣ መዋእል ገ/ህይወትን ሙኡዝ ገ/ህይወትን ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ወለዶምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን አስኢኑ ምስ ካብ ሞት ዝተረፈት ኣሞኦም ክነብሩን ልዕሊ ዕድሚኦም ዝኾኑ ሓሳባት ከስተንትኑን ገይርዎም ኣሎ፡፡ ኣብ ማርያም ሸዊቶ ከም ኣብነት ደኣ ነዞም ህፃናት ኣልዒልና እምበር በቲ ኣራዊት ሰራዊተ ከምስድራ ዝፀነቱ ፣ ዝተቐተሉን ዝቖሰሉን ህፃናት ብርክት ዝበሉ ምዃኖም ዝረኸብናዮም መረዳእታታት የረጋግፁ፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ