Home ዜና ልምዓት ጎልጎል ራያ

ልምዓት ጎልጎል ራያ

1196

ኮሌጅ ሕርሻ ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ ምውፋር መዋእል ንዋይ ጎልጎል ራያ ኣድሂቡ ዘተ ኣሳሊጡ፡፡ ኣብቲ ዘተ ድማ ጎልጎል ራያ ንምልማዕ ዕንቅፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣጠቓቅማ መሬትን ምስፍሕፋሕ ከተማን ከመይ ክፍትሑ ከምዘለዎ ዘትዮም፡፡

ማእኸል ምርምር ሕርሻ ትግራይን ዩንቨርስቲ መቐለን ሕርሻዊ ሃፍተ ገነት ትግራይ ብመፅናዕቲ ኣደጊፎም ከቕርቡ ድማ ሰብ ሃፍቲ ርኢቶ ሂቦም፡፡

ኣብ ራያ ተጀሚሩ ዘሎ ልምዓት ሕርሻ ኣብ መላእ ትግራይ ክስፋሕፋሕ ዩንቨርስቲታት ኣክሱምን ዓዲግራትን እውን ክስዕበኦ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ ድማ ሎሬት ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ እዮም፡፡

ኮሌጅ ሕርሻ ዩንቨርስቲ መቐለ ልዕሊ 70 ሰብ ሃፍቲ ኣብ ጎልጎል ራያ መዋእለ ንዋዮም ክውፍሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ዶክተር ገ/ህይወት ወ/ገብርኤል ሓቢሮም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ