Home ዜና ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መቐለ ኣትዩ።

ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መቐለ ኣትዩ።

4123

ብፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ፃንሒት ስራሕ ዛዚሙ መቐለ እንትኣቱ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሕ ኣቀባብላ ተገይርሉ።እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮ ፃኒሒት ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ዙርያ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ፣ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ካልኦት ወሰንቲ ዛዕባታትን ኣመልኪቶም ምስ መንግስቲ ፌደራልን ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ብምልዛብ ዋኒኑ ፈፂሙ ተመሊሱ ኣሎ፡፡

እቲ ልኡኽ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ኣብ መዝገብ ጥርጡራት ገበነኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣብ ቀይዲ ዝፀንሑ ፖለቲካዉን ወታደራዉን ኣመራርሓ ትግራይ ክሶም ምቁራፁ ስዒቡ ዝተፈትሑ ገለ ኣመራርሓ እዉን ምስቲ ልኡኽ ናብ መቐለ ኣትዮም ኣለዉ።

ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ ብወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ዘሎ መሬት ትግራይ ሓራ ክወፅእ፣ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ዉሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን ተበቲኑ ዘሎ ብሚልዮን ዝቑፀር ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ፣ንልዕሊ ክልተ ዓመታት መሃይኡ ዘይተቐበለ ኣማኢት ኣሽሓት ሰራሕተኛ መንግስቲ መሃይኡ ክልቀቐሉን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቅልጡፍ ጠለብ ዝሓቱ ዕዮታት ክፍፀሙ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር።

ብመሰረት እቲ ዉዕሊ ስምምዕነት ሰላም እዉን ተጋሩ ጥራሕ ብምዃኖም ኣብ ዝተፋለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ወታደራውን ሲቪላውን ደቂ ትግራይ ክፍትሑ ትፅቢት ይግበር።

ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ