Home ዜና
1029

ኤርትራ ቀፃሊት ሓደጋ ሰላም ትግራይ- ኢትዮጵያ

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብሰንኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከይዝረግ ከቢድ ስግኣት ኣሎ ፡፡ African Defense Forum Magazine

ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ዘላቒ ተኸሲ ደው ምባል ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ፤ ብመንግስቲ ኤርትራ ከይዝረግ ልዑል ስኽፍታ ፈጢሩ ምህላዉ ፎረም ምክልኻል ኣፍሪቃ Africa Defense Forum (ADF) ዝተብሃለ ጋዜጣ ኣጋሊፁ፡፡

ኣብ ጉዳይ ፅጥታ፣ ሰላም፣ድሕንነትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣፍሪካ ዘድህብ ጋዜጣ Africa Defense Forum (ADF)  ንፀሓፊን ተመራማራይ ጉዳያት ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ፎረይን ፖሊሲ ዝኾነ መሓመድ ቃሂር ዑመር ጠቒሱ ከም ዝፀብፀቦ፤ ኣብ ሓበራዊ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ተዋህሊሉ ዘሎ በዝሒ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ስግኣት የጋድዶ ኣሎ ይብል፡፡

ዓለም ንምርግጋዕ ኢትዮጵያን ምቁራፅ ጀኖሳይዳዊ ደማዊ ኲናት ትግራይን ተሃንጥዩ ኣብ ዘለሉ እዋን፤ ኣብ ፖሊሲ ረጊፅካ ምሕላፍ ዝደረኸ ድሌት ዉልቀ መላኺ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዳግም ኲናት ከይለዓል ከቢድ ስግኣት ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ጋዜጣ፤ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝፈፀሞ ገበናት ዓለም ክርደኦ ይግባእ ኢሉ ፡፡

ኣብ ድሮ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ኣብ ገጠር ከባቢታት ከተማ ዓድዋ ልዕሊ 300 ሰላማዊያን ሰባት ብሰራዊት ኤርትራ ገዛ ንገዛ እናተሃደኑ እንትጭፍጨፉ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስትመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ  ነቲ መረዳእታ ተጠቒሙ ዕላዊ ምግባሩ ገሊፁ፡፡

ብተወሳኪ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህፃናት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታትን ትግራይ ጨፍጫፍ ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን፤ ማክሳር ካብ ዝተብሃለ ሳትላይት ዝተረኸበ መረዳእታ ድማ 67 ገዛውቲን መሰረተ ልምዓትን ምዕናዎምን ምቅፃሎም ብስእሊ ሳትላይት ከም ዝተረጋገፀ ጋዜጣ ፎረም ምክልኻል ኣፍሪቃ  ገሊፁ፡፡  ጅኖሳይዳዊ ስርዓት ኤርትራ ድሕሪ ውዕል ፕሮቶርያ እውን እንትኾነ ካብ ትግራይ ከምዘይወፀን እዚ ድማ ንቲ ክታም ሰላም ዘፍርስ ዘራጋይ ተግባሩ ይፍፅም ምህላዉ ዕላዊ ጌሩ፡፡

    ብገ/ሄር ሃይሉ