Home ዜና “ልዒሊ 40 ንፁሃት ቐቲለ ልዕሊ 30 በይነይ ዓሚፀ” ሙሩኽ ስርዓት ኢሳያስ

“ልዒሊ 40 ንፁሃት ቐቲለ ልዕሊ 30 በይነይ ዓሚፀ” ሙሩኽ ስርዓት ኢሳያስ

3088

ገብሩ ኣልኣዛርን ሰመረ ገ/ህይወትን ዕሱባት ኣባላት ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዮም፡፡ እዞም ዑሱባት ኣብ 2013 ዓ/ም ምስ ጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ተላፊኖም ማእለያ ዘየብሉ ግፍዒ ፈፂሞም እዮም በዙይ ከይኣክል ግን እቲ ዝፈፀምዎ ይፍፅምዎ ዘለዉን ጀኖሳይድ ኣጠናኺሮም ንምቕፃል እንትሓስቡ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ጀግና ሰራዊት ዊዕሎም ተማሪኾም እዮም፡፡

ገብሩ ኣልኣዛር ኣብ 2013 ዓ.ም ሰላሊ ኮይኑ ምስ ኣባላቱ #ትግራይ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ካብ ሸራሮ ጀሚሩ ክሳብ ሽረ ማእለያ ዘየብሎም ሰላማዉያን ሰባት ከም ዝቐተለን ካብ ምብዝሖም ዝተበገሰ ንምቑፃሩ ከም ዝሽገር እዉን ይዛረብ፡፡

እዚ ዕሱብ በዙይ ኣየብቀዐን ኣብ #ሽረ እንዳ ሰላሰ ኮይኑ እንትሰርሕ እዉን ኣብ ቤት ህንፀት ሽረ ብፋሽሽታዉያንን ወረርቲ ሓይልታትን ኣብ ዘይዉዓልዎ ገበን ተኣሲሮም ዝነበሩ 10 ንፁሃን ሰባት ከም ዝረሸነ ይዛረብ ፡፡

ዕሱብ ኣባል ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ክሳብ ማዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ዘሊቑ ነቶም ባርነትን ዘይዛሪ ድኽነትን ኮርኪሕዎም ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ራሕሪሖም ኣብ ትግራይ ተዓቒቦም ዝነበሩ ኣሕዋቱ እዉን ዕፃ ትግራይን ደቂ ትግራይን ንክበፅሖም ዝሞቱ ሞይቶም ዝተረፉ ድማ ፋሕ ፋሕ ክብሉ ጌረዮም እየ ኢሉ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰመረ ገ/ህይወት እዉን ካብ #ሸራሮ ጀሚሩ ዓድዋ፣ ራማ፣ዓድግራትን ካልኦትን ኣብ ዝረገፀሉ እዋን ህፃናት ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ወገናት ዋላ ሓንቲ ኣበርን በሰርን ዘይብሎም ንፁሃት ከም ዝረሸነ ይዛረብ፡፡

ብተወሳኺ እዉን ይብል ሰመረ ኣብተን ዝኣተኽዎን ከተማታትን ገጠራትን ልዕሊ 30 ኣዴታትን ህፃናትን በይኑ ከም ዝዓመፀን ሕንኽ ከይበለ ገሊፁ እዩ፡፡

ገብሩ ኣልኣዛርን ሰመረ ገ/ህይወትን  ካብ ክሳድ ኣዴታት ዝመንጠልዎ ወርቅን ክሳብ የድሊ እዩ ዝበልዎ ንብረት ከም ዝወረሩ ከም ሰራሕቲ ጀግንነት ከይሓፈሩ ተዛሪቦም እዮም፡፡

እዞም ክልተ ዕሱባት እዚኣቶም በቲ መሕሰቢ ዝተሳኣኖ ሽክና ርእሶም ዝዘከርዎ ግፍዒ ጥራሕ እዮም እምበር ምስ ከምኦም ዝበሉ ኣረሜኔታት ኮይኖም ዝፈፀምዎ ጨፍጫፍን መስካሕክሒ ግፍዕታትን ካብቲ ዝገለፅዎ ብላዕሊ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ 

ብህይወት ብርሃነ