Home ዜና ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ መበል 127 ዓመት ዝኽሪ ውግእ ዓድዋ እንተነኽብር :-

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ መበል 127 ዓመት ዝኽሪ ውግእ ዓድዋ እንተነኽብር :-

1050

 —-

ኣብ 2015 ዓ/ም ካብ ጥቅምቲ 14 ክሳብ 19 ኣብ ዘለዉ መዓልታት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሓዚሉ ኣትዩ ኣብ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ብዝሳተፍ ዘሎ ኣራዊት ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ 19 ጣብያታት ወረዳ ዓድዋ ጥራሕ ልዕሊ #400 ሲቪላት ነበርቲ ብግፍዒ ከምዝጨፍጨፈ፣ብዙሓት ኣካሎም ዝጎደልሉ: ብዙሓት ዝጠፍእሉን ንብረት ዝዓነወሉን ምዃኑ እናዘከርና እዚ ባርባራዊ ግፍዑ ዳግም ንቐፃሊ ከይድገም ከይርሳዕ እናሓሰብና ክኸዉን ከም ዝግባእ መሳርሕትና የማነ ገብረሚካኤል ናብቲ ከባቢ ተጓዒዙ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብ ጣብያ እንዳባ ገሪማ ጥራሕ እቶም #81 መንነቶምን ዝርዝሮምን ዝፍለጡ በቲ ኣረሜናዊ መንነቱ ዝልለ #ኣራዊት ሰራዊት #ኤርትራ ህዝቢ ትግራይ ከየጥፋእካ ድቃስ የለን ካብ ዝብል ሕሱር ተግባር ዝብገስ እንበር ዋላ ሓንቲ በደል ዘይነበሮም ሲቪላት ብግፍዒ ከም ዝተቐተሉ ተሓቢሩ ኢዩ። #19 ድማ ዛጊድ መንነቶም ዘይተፈለጠ ካብቲ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ንምምላጥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተጓዓዙ ዝነበሩ ክኾኑ ዝግመት ኣብታ ጣብያ ኣብ ጥቓ ማይፀሎት ሞይቶም ዝተረኸቡ ኮይኖም ዛጊድ ብዘሎ ፅፁይ መረዳእታ #100 ወገናት በፂሖም ኣለዉ ክብል ኣማሓዳሪ ጣብያ እንዳባገሪማ መልኣከ ገነት ኤፍሬም ገብረዮዉሃንስ ገሊፁ። ::

ኣካሎም ዝተሰንከሉን ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይተፈለጡ ድማ ብዙሓት ነበርቲ እታ ጣብያን ወረዳ ዓድዋን ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። :: 127 ዓመት ዝኽሪ ኩናት ዓድዋ እንትነኽበር ኩሉ ትግረዋይ ብሰንኪ ልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ግዳይ ሞት፣ጉድኣት ኣካል፣ቅልዉላዉ ስነ-ኣእምሮን ዝኾነ ህዝብና ዝዓነወ ትካላትናን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ እዚ ንልዕሊ ኣሽሓት ዓመታት ናይ ባዕሉ ዘይተበረዘ ወርቃዊ ታሪኽ፣ባህሊ፣ጅግንነት፣መንነትን ዝተፈላለዩ ክብሪታትን ዓቂቡ ዝፀንሐ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምድረ ገፅ ንምጥፋእ ተሃቂኑ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ከይድገም እናሓሰብናን ክኸዉን ይግባእ ኢሎም።

#የማነ ገብረሚካኤል