Home ዜና ሓበራዊ ርብርብ ዝሓትት ሓደጋ ድርቂን ጥሜትን

ሓበራዊ ርብርብ ዝሓትት ሓደጋ ድርቂን ጥሜትን

268

ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ድርቂን ጥሜትን ንምክልኻል ዝተዋደደ ሓበራዊ ርብርብ ከምዘድሊ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ምምሕዳር ወረዳ ኣበርገለ የጭላ 7 ታሕሳስ 2016 ኣብ ከተማ መቐለ ዓለም ለኸ መድረኽ ቴሌቶን ከምዝካየድ ኣፍሊጡ::

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣይተ ሓጎስ ሃደራ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ስዒቡ ብዘጋጠመ ጥሜት ብርክት ዝበሉ ወገናት ግዳይ ሞትን ሕማምን ይዀኑ ከምዘለው ተዛሪቦም። ኣብዚ ዓመት ካብታ ወረዳ ክረከብ ካብ ዝግበኦ ምህርቲ 12 ምኢታዊ ጥራሕ እዩ ተረኺቡ ዝበሉ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ህዝቢ እታ ወረዳ ንዝተፈለላዩ ፀገማት ተቓሊዑ ኣሎ ኢሎም።ግዳይ ምምዝባልን ሕማማትን ኮይኑ ኢሎም።

ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምክልኻል ኩሉ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝብና ዘርአዮ ሓገዝ ዝነኣድ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሓጎስ ሃደራ ይኹን እምበር ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ እንትነፃፀር እቲ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድልን ሓቢሮም። ካብ ሕፅረት ቀለብ ሰባት ብተወሳኺ ፀገም ቀለብ እንሰሳ እውን ከምጋጠመን ብዙሓት እንሰሳ ብሰንኪ እቲ ድርቂ ከምዝሞቱን ጠቒሶም ቀለብ እንሰሳ ኣብ ምቕራብ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዝጠልብ ድማ ኣብሪሆም።

እቲ ዝተረኸበ ሓገዝ ብቐጥታ ናብ ተጠቀምቲ ንክበፅሕ ኮሚቴ ኣጣይሾም ይሰርሑ ከምዘለው ድማ ኣነፂሮም ኣይተ ሓጎስ ሃደራ። ኣተሓባባሪ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ እቶት ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጨንፈር ከተማ መቐለ ስነ-ጥበባዊ ጥላሁን ታፈረ እቲ ብድርቂ ዝተጠቕዐ ህዝቢ ንምድሓን ኩሉ ትግራዋይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝነኣድ ከምዝዀነን ብምጥቃስ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ውፅኢታዊ ንክኸውን ኩሉ እጃሙ ከውፊ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ።

ብዓርሰ ተበግሶ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዝንቀሳቐሱ ካብ ዘለው ግዱሳት መናእሰይ ሓደ ዝዀነ ሙሉ ታዘዘ ብግዲኡ ፀገም እቲ ሓደጋ ኣብ ምቅላዕን ሕብረተሰብ ብምልዕዓል ሓገዝ ኣብ ምትእኽኻብን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይነጥፉ ከምዘለው ብምሕባር ሕዚ እውን እቲ ሓደጋ ከቢድ ብምዃኑ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ። እቲ ሓደጋ ድርቂን ጥሜትን ኣብ ህዝብና ዘብፅሖ ዘሎ ሞትን ሕማምን ንምክልኻል ሓድነት ተጋሩ ሓይሉ ዝተረኣየሉን ዘሕብንን እዩ ድማ ተባሂሉ።

ገ/እግዚአብሔር ታደለ