Home ዜና ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ዓፂድን ምእካብን ዝራእቲ

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ዓፂድን ምእካብን ዝራእቲ

578

ኣብ ወረዳ  ኣሕፈሮም ዝርከቡ ሓይልታት ፅጥታን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ኣብቲ ወረዳ ናይ ዝርከቡ ስድራ ስውኣት ዝራእቲ ወፍሪ ዓፂድን ምእካብን የካይዱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ወረዳ ጣብያ ታሕታይ መጋርያ ፀምሪ ሎሚ ዕለት 09/02/2016 ዓ/ም ኣብ ዓፂድ እናዝተሳተፉ ዝረኸብናዮም ኣባላት ፀጥታ “ስድራ ስዉኣት ብፆትና ናትና ወለዲ እዮም፣ ነዚኣቶም ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣሎና” ይብሉ፡፡

ከም ተጋደልቲ ቅድም ክብል እዉን ብዝተፈላለዩ መንገዲ ስድራ ስዉኣት ኮነ ህዝብና እናሓገዝና ዝመፃእና ኢና ዝበሉ እቶም ሓይልታት ፀጥታ ሎሚ ድማ ኣብ ብዓፂድን ምእካብን ዝባፅሑ ዝራእቲ እናሓገዝና ንርከብ ምስ በሉ ንቀፃሊ ድማ ኣብ መኼዳ ፣ ንጥፈታት ልምዓት መስኖን ካልኦት ናይ ማሕበረሰብና ስራሕትን ዝግበር ወፍሪ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ” ክብሉ ሓቢሮም ።

ስድራ ስዉኣት ሃለቃ ብርሃነ ገብሩን መንእሰይ ገብረ ሩፋኤል ታከለን ከም ዝገለፅዎ “ኣባላት ፀጥታና ኩሉ ግዜ ካብ ጎንና ተፈሊዮም ኣይፈልጡን ፤ ካብ ምኽባር ፀጥታ እቲ ከባቢ ጀሚሮም ዝተፈላለዩ ናይ ግብርና ስራሕቲ እናሓገዙና ድሕሪ ምፅነሖም ኣብ መዓልቲ ብሄራዊ ሓዘን ኣጀኩም ኣብ ጎንኹም ኣለና ኣይትሕዘኑ ! ብምባል ንሕና ብሕራነ ክንለዓዓል ብምግባር ዝባፅሑ ዝራኣትና እናዓፀዱን እናኣከቡን ይርከቡ ክብሉ ሓቢሮም ።

“ጀጋኑ ደቅና ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ ክብሪ ይግብኦም፤መንግስቲ ድማ ናይ ስውኣት ደቅና ሓደራ ኣፅኒዑ ብምሓዝ ናይ ሓደራ ቃሎምን ዝተሰዉእሉ ዕላማ ክትግብር  ንፅውዕ ” ክብሉ ስድራ ስውኣት ኣብሪሆም ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምልዕዓል ህዝቢ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝኾኑ ኣይተ ኪዱ ኣሳይሀይ ብወገኖም “ኣብ 15 ጣብያታት ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከቡ ስድራ ስውኣት ንምሕጋዝ ስራሕቲ ምልዕዓል እናተገበረ ፀኒሑ እዩ ምስ በሉ ሎሚ ድማ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጣብያታት እታ ወረዳ ተጠናኺሩ ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ወረዳ ዝርከቡ ሓይልታት ፀጥታ ካብ ጎኒ ህዝቦም ኮይኖም ብኹሉ ዓይነት ድጋፍ እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሕጂ ድማ ዝራእቲ  ስድራ ስውኣት ኣብ ምዕፃድን ምእካብን ንዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ ብስም ህዝብን መንግስትን ወረዳ ኣሕፈሮም ከመስግኖም ይደሉ ዝበሉ ኣይተ ኪዱ እዚ ሰናይ ስራሕ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣጠናኺሩ ብገንዘቡን ብጉልበቱን ክሕግዝ ይፅውዕ ክብሉ ገሊፆም።

ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ኣሕፈሮምን