Home ዜና ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ወረዳ ሓውዜን

ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ወረዳ ሓውዜን

57

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ከባቢ ጣብያ ሞዙተይ ሎሚ 29 ግንቦት 2016 ዓ ም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሰለስተ ወገናት ሓሊፉ።

10 ወገናት ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎም ናብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ሪፈር ዝተብሃሉ እንትኾን ኣብ ልዕሊ 9 ወገናት ቀሊል ሓደጋ ከምዘጋጠመ ኣካየዲ ስራሕ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ ሰማእታት ሓውዜን ኣይተ ኣስመላሽ ተክለሃይማኖት ገሊፆም ።

እቲ ሓደጋ ካብ ከባቢ ዓዲ ሑፃ ተበጊሳ 19 መርዑትን ኣዕርኽትን ኣሳፊራ ናብ ከተማ ሓውዜን ትጓዓዝ ዝነበረት ሪቮ ዝዓይነታ መኪና ፣ ምስ ሞተር ሳይክል ብምግጫዋ ዘጋጠመ ምዃኑ ዝተገበረ ግዝያዊ ምፅራይ ኣመላኺቱ ኢሎም ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ሓውዜን ዋና ኢንስፔክተር ፀጋይ በላይ።

ናይቲ ሓደጋ ዋና መንቀሊ ብሰብ ሞያ ትራፊክ ፖሊስ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ከይዲ ምፅራይ ከም ዝርከብ ዝሓበሩ ዋና ኢንስፔክተር ፀጋይ በላይ ፣ ሕዚ ውን ኣሸከርከርቲ ፍጥነቶም ቀኒሶም ፣ ርሕቀቶም ሓልዮም ፣ዝተመደበሎም በዝሒ ሰብ ፅዒኖም ፣ ብሓፈሻ ንሕጊ ትራፊክ ተገዛእቲ ኮይኖም ብምሽክርካር ፣ህይወቶምን ህይወት ወገናቶምን ክዕቅቡ ኣገንዚቦም ክብል ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።