ኣብ ወረዳ ሓውዜን ከባቢ ጣብያ ሞዙተይ ሎሚ 29 ግንቦት 2016 ዓ ም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሰለስተ ወገናት ሓሊፉ።
10 ወገናት ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎም ናብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ሪፈር ዝተብሃሉ እንትኾን ኣብ ልዕሊ 9 ወገናት ቀሊል ሓደጋ ከምዘጋጠመ ኣካየዲ ስራሕ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ ሰማእታት ሓውዜን ኣይተ ኣስመላሽ ተክለሃይማኖት ገሊፆም ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2024/06/t4.jpg)
እቲ ሓደጋ ካብ ከባቢ ዓዲ ሑፃ ተበጊሳ 19 መርዑትን ኣዕርኽትን ኣሳፊራ ናብ ከተማ ሓውዜን ትጓዓዝ ዝነበረት ሪቮ ዝዓይነታ መኪና ፣ ምስ ሞተር ሳይክል ብምግጫዋ ዘጋጠመ ምዃኑ ዝተገበረ ግዝያዊ ምፅራይ ኣመላኺቱ ኢሎም ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ሓውዜን ዋና ኢንስፔክተር ፀጋይ በላይ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2024/06/t1-1024x954.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2024/06/t2-1024x859.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2024/06/t3-1024x770.jpg)
ናይቲ ሓደጋ ዋና መንቀሊ ብሰብ ሞያ ትራፊክ ፖሊስ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ከይዲ ምፅራይ ከም ዝርከብ ዝሓበሩ ዋና ኢንስፔክተር ፀጋይ በላይ ፣ ሕዚ ውን ኣሸከርከርቲ ፍጥነቶም ቀኒሶም ፣ ርሕቀቶም ሓልዮም ፣ዝተመደበሎም በዝሒ ሰብ ፅዒኖም ፣ ብሓፈሻ ንሕጊ ትራፊክ ተገዛእቲ ኮይኖም ብምሽክርካር ፣ህይወቶምን ህይወት ወገናቶምን ክዕቅቡ ኣገንዚቦም ክብል ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።