Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓደጋ ኖታጊ ኣብ ወረዳ ሓውዜን

ሓደጋ ኖታጊ ኣብ ወረዳ ሓውዜን

71

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ማይጎቦ ፣ ምሕፃይ ኣዋልድ ኣብ ዝባሃል ከባቢ ባሕቲ ሰነ 2016 ዓ ም ዘይተፈንጀሩን ዘይተኣረዩን ነቶግቲ ብዘብፅሕዎ ሓደጋ 4 ሰገናት ግዳይ ሞትን መጉዳእቲ ኣካልን ኮይኖም።ካብቶም 4 ሰገናት እቶም 3 ካብ ሓደ ስድራ ዝተረኸቡ ኣሕዋት ምኻኖም ድማ ተፈሊጡ።

እቶም ሰገናት ነዚ ከቢድ ሓደጋ ክቃልዑ ዝኻኣሉ ካብ ገዝኦም ርሒቖም ጤለ በጊዕ እናጓሰዩ ዝረኸብዎ ቁምቡላ ብእምኒ ብምቕጥቃጦም እዩ ተባሂሉ።

በቲ ሓደጋ ድማ ሓንቲ ጓል 9 ዓመት ተምሃሪት 1ይ ክፍልን ፣ሓደ ወዲ 14 ዓመት ተምሃራይ 5ይ ክፍልን እንትሞቱ ወዲ 14 ዓመት ተምሃራይ 4ይ ክፍሊ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎ ናብ ዓይደር ሪፈር እንትባሃል ወዲ 11 ዓመት ተምሃራይ 2ይ ክፍሊ ድማ ቀሊል መጉዳእቲ በፂሕዎ ‘ዩ።

ወለዲ እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሰገናት “ፅባሕ ክጥውሩና ኢልና ተፀጊምና ዘባፃሕናዮም ህፃውንቲ ደቅና ኣብ ዘይሓሰብናዮን ዘይገመትናዮን ሰዓት ፣ ብሰንኪ ኖታጊ ተመንጢልና ጥራሕ ኢድና ተሪፍና ኣለና “ክብሉ ብመረረት ተዛሪቦም።

ካብዚ ዝገደደን ዝባኣሰን ሓደጋ ከይበፅሐ ድማ ፣ መንግስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ዘይተፈንጀሩ ነቶግቲ ከፅርየሎምን ሓገዝ ንኽግበረሎምን ድማ ብኣፅንኦት ሓቲቶም።

ኣማሓዳሪ ጣብያ ማይጎቦ ኣይተ ፀጋይ ገ/የሱስ ብወገኖም ፣ኣብታ ጣብያ ማእለያ ዘይብሎም ዘይተኣረዩን ዘይተፈንጀሩን ነቶግቲ ከም ዘለውን ፣ዛጊድ ምስ ናይ ሎሚ ሓዊስካ 10 ወገናት ንሞት ፣ 8 ድማ ንምጉዳል ኣካል ከም ዝተሳጥሑን ሓቢሮም።

መንግስቲ ግዜ ከይወሰደ ሰብ ሞያ ሊኢኹ ከባቢኦም ካብ ነቶግቲ ከፅርየሎም ተላብዮም ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላም ፣ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ሃይላይ ገ/ስላሰ ድማ ፣ኣብታ ወረዳ ብፍላይ ድማ ኣብ እኒ ጣብያታት ማይጎቦ ፣ ቆራሮ ፣ዓዲ በለው ፣ ደብረሰላም ፣ ፍረወይንን ባሌዳን በብግዚኡ ሓደጋ ነቶግቲ የተኣናግዳ ከም ዘለዋ ብምሕባር ፣ ነዚ ሓደጋ ንምዕጋት ምምሕዳሮም ንዝምልከቶም መምከንትን ኣረይትን ነቶግቲ ኣካላት ብተደጋጋሚ ደብዳቤ ዋላ እንተፀሓፈ ተግባራዊ ምላሽ ኣይተረኸበን ኢሎም።

ሕ/ሰብ ንዝገደደ ሓደጋ እናተቓልዐ ከም ዝርከብን ቅድሚ ክረምቲ ምእታው ተግባራዊ ፍታሕ ክግበረሎምን ሓቲቶም ክብል ፣ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ ።