Home ዜና ”ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ፣ ትግራይ ዘይተሳተፈትሉ ኣዋጅ ስለዝኾነ ረብሓን ጕድኣትን ክዝተየሉ...

”ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ፣ ትግራይ ዘይተሳተፈትሉ ኣዋጅ ስለዝኾነ ረብሓን ጕድኣትን ክዝተየሉ ይግባእ” ም/ፕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ.ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

236

 ሕጋዊ መለለዪ መንነት ብምዕዳል ውሑስ ምንቅስቓስን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምሕላውን ኢኰኖሚያዊ ዕድል ተጋሩ ምስፋሕን ዝዓለመ መድረኽ ተሳሊጡ።

 ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ጄኖሳይድ ስዒቡ ናብ ሱዳን ዝተፈናቐለ ሓዊሱ ተፈናቐልቲ ዞባታት ምዕራብ ፣ ደቡብ ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ኣይተመለሱን።

እዚ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ሃገራዊ ድዩ ብሄራዊ? ክልላውን ሃገራውን መለለዪ መንነት ከ ከመይ ይቃዶ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ተላዒሎም ዮም።

ዳይሬክተር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ዶክተር ገብረሃወርያ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኖም ካብዞም ሕቶታት ብተወሳኺ ሓዱሽ መንነት ንምፍጣር ዝዓለመ ከዪኸውን ስግኣቶም ገሊጾም።

ኣማኻሪ ፖሊሲ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ወ|ሮ ገብሬአላ ኣብርሃም ብወገነን ፥ እቲ ዝወሃብ ዘመናዊ መለለዪ መንነት ምስ ሕቶ ብሄር ኰነ ምልዋጥ ዲሞግራፊ ማለት እውን ኣቀማምጣ መሬትን ስነ ህዝብን ዝተኣሳሰር ከምዘይኰነ ሓቢረን።

መለለዪ መንነት ምሓዝ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰል ‘ዩ። ሃገራዊ ዜግነታዊ መለለዪ መንነት ፣ ትግራይ ዘይተሳተፈትሉ ኣዋጅ ስለዝኾነ ረብሓን ጕድኣትን ክዝተየሉ ይግባእ። ትግራዋይ ካብ ዓዱ ወጻእ ብትግራዋይነቱ ከይንገላታዕ ክሕግዝን ፀጥታ ክሰፍንን ትፅቢት ይግበር። ” ክብሉ ድማ ም|ፕ|ግ|ም|ት ሌተናት ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሣኤ ምግላፆም ይዝከር። #ኤፍሬም_ረደሀይ