Home ቢዝነስ ሓዱሽ መምርሒ ኣብ ነዳዲ

ሓዱሽ መምርሒ ኣብ ነዳዲ

63

ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ነዳዲ ንምቁፅፃር ሓዱሽ መምርሒ ከምዘውፀአ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣተሓባበሪ ቁፅፅር ንግዲ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ግርማይ ኪሮስ ንሬድዮ ትግራይ ብስልኪ ከምዝገለፅዎ ንዘይሕጋዊ ምንቅስቓስን ኣጠቓቕማን ነዳዲ ንምቁፅፃር ዓሊሙ ዝወፀ ሓድሽ መምርሒ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ሓዱሽ መምርሒ ትካላት መዐደሊ ነዳዲ ካብ ምሸት ሰዓት 12:00 ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 12:00 ኣብ ዘሎ ግዘ ግልጋሎት ኣይህባን።

ብዘይካ ንግልጋሎት መስኖን እንዳ መጥሓንን ነዳዲ ብጀሪካን ካብ ትካላት መዐደሊ ነዳዲ ንከይሽየጥ እቲ መምርሒ ከምዝእግድ ኣይተ ግርማይ ተዛሪቦም።

ሕብረተሰብን ኣካላት ፀጥታን ነዚ ፈሊጦም ንተግባራውነት እቲ መምርሒ ሓገዝቲ ክኾኑ ተላብዮም ።

እቲ ኤጀንሲ ዛጊድ ኣብ ዝገበሮ ቁፅፅርን ክትትልን ልዕሊ 24 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ከምዝወረሰ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

#ብምሩፅ_ሃይለ