Home ቢዝነስ ሓዱሽ መስርሕ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ

ሓዱሽ መስርሕ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ

226

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ተለቃሕቲ ዓይኒ ዋና ጥራሕ ዝኸፍልሉ መስርሕ ተግባራዊ ገይራ።

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ቅድሚ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ንዝተለቅሑ ዓማዊል ካብ ግንቦት 26/ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ሒዘምዎ ካብ ዝመፁ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ካብ ዓይኒ ዋና ዝኸፍልሉ ኩነታት ኣመዓራርያ ምህላዋ ገሊፃ።

ብትካል ደረጃ ንዝተወሰነ ውሳነ ስዒቡ ምክትል ዋና ስራሕ ፈፃምን ሓላፊ ክፍሊ ኦፕሬሽንን ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣይተ ሳሙኤል ክፍሎም ንኹለን ዞባዊ ጨንፈራት ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ከምዝገለፅዎ ፤ ደደቢት ኣብ ዓማዊላ ዘለዉ ከበድቲ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊት ልቓሕ መተባብዕን ሕድገት ወለድን እናገበረት መፂኣ እያ።

ሐዚ ድማ ቕድም ክብል ብዘይካ ሙሉእ ብሙሉእ ውዝፎም ክዓፅዉ ዝኽእሉ ፤ ዘምፅእዎ ገንዘብ ከፊሎም ውዝፎም ክቕንሱ ንዝደልዩ ዓማዊል ቀዳምነት ወለድ ቐፂሉ ዓይኒ ዋና ይኽፈል ብምንባሩ “ዘምፃእናዮ ገንዘብ ናብ ወለድ እናተኸፈለ ኣደዳ ወለድ ንኸውን ኣለና” ዝብል ርኢቶ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት እዚ እታ ትካል ክትረኽቦ ዝግባእ ወለድ ብምሕዳግ ካብ ፀገም ህዝቢ ዝዓቢ ነገር የለን ብዝብል ዓማዊል ውዝፎም ንምኽፋል ሒዘምዎ ዝመፁ ገንዘብ ቀዳምነት ዓይኒ ዋና ዝኸፍልሉ ኩነታት ብትካል ደረጃ ተግባራዊ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ደደቢት ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ልዕሊ ብር 2.3 ቢልዮን ዝግመት ሕድገት ወለድ ከምዝገበረት ተገሊፁ።

እቲ ሕድገት ወለድ እዚ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ዝቕፅል ኮይኑ፤ ካብ ብርኪ ክልተ ንላዕሊ ዝተፀንዑ 40% ናይቲ ሒዘምዎ ዝመፁ ሕድገት ወለድ ከምዝግበረሎም ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ እታ ትካል ኣመላኺቱ።