Home ዜና ሓዱሽ መተግበሪ ስርዓት ኣወሃህባ ግልጋሎት መጓዓዝያን ታሪፍን

ሓዱሽ መተግበሪ ስርዓት ኣወሃህባ ግልጋሎት መጓዓዝያን ታሪፍን

429

ቢሮ ትራንስፖርት መራኸበን ኮምሽን ፖሊስ ትግራይን ሓዱሽ መተግበሪ ስርዓት ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖርትን ታሪፍን ቅድመ ምድላው ከም ዝገበሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

እቲ ዝወጸ ስርዓት ክትግበርን ተሓታታይነት ክረጋግጽን እንተኾይኑ ድማ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዝጠልብ ብምዃኑ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ሓገዝቲ ኣባላት ትራፊክ ፖሊስን ኣካላት ጸጥታን ክንከውን ትጽቢት ከም ዝግበር ተገሊጹ።

በብእዋኑ ኣብ ጉድለት ኣወሃህባ ትራንስፖርትን ታሪፍን መሰረት ዝገበሩ ካብ ህዝቢ ንዝቐርቡ ጥርዓናት መፍትሒ ንምንዳይ ፣ ነቲ ዘለናሉ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝወጹ ሓደሽቲ መምርሒታት ንምትግባር ኩለ መዳያዊ ድጋፋት ክንገብር ድልዋት ኢና ኢለን ምክትል ሓላፊት ቢሮ ትራንስፖርት መራኸብን ወ/ሪት ራሄል ሃይሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን በቢከባቢኡ ብውዳበ ኮነ ብውልቐ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖርት ዝነጥፉ ዘለው ኣካላት ስርዓት ንምትሓዝ ድማ ሓዱሽ መተግበሪ ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖርትን ታሪፍን  ምውጻእ ዝጠልብ እዩ ኢለን  ወ/ሪት ራሄል ሃይሉ ።

ተዳልዩ ዘሎ ስርዓት ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖርትን ታሪፍን  ንምትግባር ድማ፦ ኣድላይ ዘበለ ክትትል ብምግባር ፣ ህዝብና ካብን ናብን ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ኮነ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ግልጋሎት ኣወሃህባ ታክሲ ስርዓት ንምትሓዝን ክሳብ ታሕቲ መሓውራቱ ብምዝርጋሕ ተሓታታይነት ከም ዘረጋግጽን ሓላፊ ኮምሽን ትራፊክ ፖሊስ ኮማንደር ኣብርሃ ወረደ ኣረጋጊጾም።

ስርዓት ክትግበርን ተሓታታይነት ክረጋግጽን እንተኮይኑ ድማ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝጠልብ ብምዃኑ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣብ እንጥቐመሉ እዋን ሓገዝቲ ኣባላት ትራፊክ ፖሊስን ኣካላት ጸጥታን ክንከውን ትጽቢት ይግበር ኢሎም ወ/ሪት ራሄል ሃይሉን ኮማንደር ኣብርሃ ወረደን።

ብመርሃዊ ተስፋይ