Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓገዝ መፃሕፍቲ !!

ሓገዝ መፃሕፍቲ !!

54

አገልግሎት ቤተ መፃሕፋትን ቤተ መዛግብትን ኢትዮጲያ ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ብምትሕብባር ንሸውዓተ ካልኣይ ብርኪ አብያተ ትምህርትን ንካልኦት ሸውዓተ ተወሰኽቲ አብያተ መፃሕፋቲ ህዝብን ብድምሩ ሓገዝ 5097 መፃሕፍቲ ኣበርኪቱ።እቶም መፃሕፍቲ ብ 1.6 ሚልዮን ብር ዝተዓደጉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ኣብያተ መፃሕፍትን ኣብያት ቤተ መዛግብትን ኢትዮጵያ ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ብምትሕብባር ዝዓነዩ ህዝባዊ ኣብያተ ንባባት ንምጥንኻር፣ ባህሊ ንባብ ንምሕዋይ፣ ክለብ ንባብ ንምጥንኻር፣ ኣብ ሞያ ቤተ መፃሕፍቲን ኣብ ምሕደራን ሰነዳትን መዛግብትን ዓቅሚ ንምዕባይ ዝሕግዝ ስልጠና እውን ተዋሂቡ ክብል ድወት ፀብፂቡ።