Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓገዝ ሳፋሪኮም

ሓገዝ ሳፋሪኮም

45

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ልዕሊ 8.5 ሚሊየን ብር ዝግመት ላፕቶፕን ራውተራትን ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪቱ ።

ሳፋሪኮም ኢትዮጰያ ን16 ሓፈሻዊ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ነፍሲወከፈን 10 ላፕቶፕን 3 ራውተርን ብሓገዝ ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣረኪቡ።

ኣብ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ጊዚያዊ ሓላፊ ዝምድናታትን ቁፅፅር ቢዝነስን ኣይተ ስሳይ ዘሪሁን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተኻየደ ኩናት ሲዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ሓዊሱ ብርክት ዝበለ መሰረተ ልምዓት ዕንወት ከምዝበፀሖ ብምዝኽኻር ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲን ዝተፈላለዩ ግዜ ዝጠልቦም ቴክኖሎጂታትን ናብ ትግራይ እናትኣታተወ ከምዘሎን ሓገዙ ከምዘጠናኽርን ሓቢሮም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር) ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ፀገምን ዕንወትን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ተረዲኡ ንዝበርከቶ ንዋታዊ ድጋፍ ብምምስጋን እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅልን ካልኦት ውን ክስዕብዎን ኣገንዚቦም።

እተን ድጋፍ ዝተገበረን ኣብያተ ትምህርቲ ን6 ወርሒ ብዘይ ምንም ክፍሊት ናፃ ዋይፋይ ክጠቀማ ውን ዕድል ዝፈጠረ እዩ።

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ኩለመዳያዊ ድጋፍ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ዓቢይ እጃም ዘለዎ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ድማ ኣብቲ ርክክብ ሓገዝ ዝተረኸቡ ካብኔ ሴክሬተርያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂይወት እዮም።

#ብሂወት_ሽበሺ