Home ዜና ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ዞባ ማእኸል

ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ዞባ ማእኸል

487

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማሕበር ልምዓት ኣክሱም ፤ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሽዱሽተ ኣብያተ ፅሕፈት ትምህርቲ ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመሃሩ ፅጉምት ተምሃሮ ዝውዕል ብሓደ ነጥቢ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተዓደጉ ናውቲ ትምህቲ ሓጊዞም።

እቲ ንፅጉማት ተምሃሮ ሽዱሽተ ወረዳታት ዞባ ማእኸል ዝተውሃበ ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ 650ሽሕ በዓል ሓምሳ ሉሕ ደፍተር፣ 80ሽሕ ብርዕን እርሳስን 6ሽሕ ግሮስ ቾክን ኾይኑ ንተምሃሮ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው፣ ጭላ፣ ዓዴት፣ ናዕዴርን ኣክሱምን ዝባፃሕ እዩ።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ወከልቲ እተን ኣብያተ ፅሕፈት ትምህርቲ ኣክሱም ፣ ወረዳ ላዕላይ ማይጨውን ጭላን መምህራን ፀጋ ገብረመስቀል፣ በሪሁ ኣሰፋን መርሃዊ ፀጋይን ኣብያተ ትምህርቶም በቶም ወረርቲ ሓይልታት ዕንወት በፂሑወን ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ ብማሕበር ልምዓት ኣክሱምን ከባቢኣን ዝተገበረሎም ድጋፍ ናውቲ ትምህርቲ ኣመስጊኖም ፤ ኮይኑ ግና እተን ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ዕንወት ዝበፀሐን ብምዃነን ካልኦት እዉን ዝያዳ ኩለ መዳያዊ ሓገዛት ክገብሩ ተላብዮም።

ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዘፈር ትምህርቲ ትግራይ ብከቢድ ከም ዝዓነወን ብምግላፅ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ኣብ ምምላእ ናዉቲ ትምህርቲ ተምሃሮ ትግራይ ክረባረብ ይግባእ ኢሉ።

ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ዘረከቡ ኣብ ኣክሱም ኣካያዲ ስራሕ እታ ማሕበር ኣይተ ኣማረ ኣረጋይ ማሕበሮም ፀገም ማሕበረሰብ እናፈተሐ ምፅንሑ ብምግላፅ ንቐፃሊ ውን እዚ ሰናይ ተግባር ኣበርቲዖም ከምዝቕፅልሉ ኣረጋጊፆም።

# ብሳሙኤል ገብረታትዮስ