Home ዜና ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ብትካል ስነ-ህዝቢ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት።

ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ብትካል ስነ-ህዝቢ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት።

494

ትካል ሰነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ለገስቲ ብዝረኸቦ ሓገዝ 15 ሚሊዮን ብር ዝግመት ንስነ-ተዋልዶ ዝሕግዝ ን30 ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝከፋፍል መድሓኒትን ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ሂቡ።

ትካል ሰነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ጀኖሳይድ ስዒቡ ኣብ ስርዓት ጥዕና ዝበፅሐ ከቢድ ዕንወት ኣብ ስነ-ተዋልዶ ተፈጥሩ ዘሎ ሓጓፍ ንምሕጋዝ ምስ ለገስትን ፈፀምትን ኣካላት ብምትሕብባር መድሓኒትን ናውቲ ሕምናን ከምዝመፀ ተሓቢሩ።

መቐፅልታ እዚ ድማ ኣብ 2015 ዓ/ም ን4ይ ዙር ካብ ለገስቲ ኣካላት ብዝረኸቦ ሓገዝ ብሽድሽተ ፈፀምቲ ኣካላት ኣቢሉ ዝከፋፈል ንስነ-ተዋልዶ ዝሕግዙ ኣፋውስን ሸውዓተ ኣልትራሳንድ ዝሓወሰ ናውቲ ሕክምናን ንልዕሊ 8 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ውልቃዊ ፅሬት ንምሕላው ዝሕግዘን ናውቲታት ዘካተተ እዩ።

ንቢሮ ጥዕና ወኪሎም ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ኣይተ ገ/ኣብሄር ወ/ጊዮርጊስን ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝወከላ ወ/ሮ ገበያነሽ ታደገን እቲ ብትካል ሰነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተገይሩ ዘሎ ደገፍ ኣብ ስነ-ተዋልዶ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ ዓብይ ፀገም ዘቃልል እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ምክትል ኣተሓባበሪ ትካል ሰነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ታይዎ ኦልዮሚ  እቲ ሐዚ ተዋሂቡኡ ዘሎ ሓገዝ ትካሎም ካብ ዝተፈላለዩ ለገስቲ ኣካላት ዝረኸቦ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ብፍላይ ድማ  ስነ-ተዋልዶ ትግራይ ንምምሕያሽ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ብሃፍታሙ ገ/ስላሴ