Home ዜና ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

73

ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ቨርጂንያ ዝነብሩ ትግራዋይ ኣይተ ብርሃነ ፀጋይ ኣብ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ጣብያ በለሶ ንዝርከባ ብፀላኢ ከቢድ ዕንወት ዝበፅሐን ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ብሓደ ሚልዮን ብር ዝግመት ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ገይሮም።

ኣይተ ብርሃነ ብሽም ወላዲቶም ብዝተጣየሸ ኣደነሽ ደንገላት ፋውንዴሽን ዝተብሃለ ትካል ኣቢሎም ዝገበርዎ ድጋፍ ንኣብያተ ትምህርቲ ዝውዕል ናውቲ ትምህርቲ ዴስክ፣ ጠረጴዛታት፣ፀሊም ሰሌዳ፣ካልኦትን ዘጠቓለለ እንትኸውን ብቐፃልነት ድማ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከባ ንፉዓት ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣብ ምብርታዕ ከምዝሰርሑ ወኪሎም ወይዘሮ መብራት ምሕረቱ ገሊፀን። ነዚ ሓገዝ ዘተሓባበሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት መምህር ሓጎስ ገብረማርያም ብወገኖም ብገባሪ ሰናይ ኣይተ ብርሃነ ፀጋይ ዝተገበረ ሓገዝ ዝምስገንን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኣብ ዝግበር ርብርብ ድማ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ትግራዋይ ደገፋ ኣጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ ኢሎም፡፡

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ኣይተ ብርሃነ ኣባይ ብግዲኦም ብፀላኢ ዝዓነወ ትምህርቲ ናብ ንቡር ምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ዝነብሮ ዝበለፀ ንምስራሕ ዓቕምታትና ብምውዳድ ክንተሓጋገዝ ይግባእ ኢሎም፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ኣይተ ገ/ሄር ገ/የውሃንስ ነቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ብምምስጋን ከምኒ ኣይተ ብርሃነ ፀጋይ ዝኣመሰሉ ግዱሳት ተጋሩን ፈተውቲ ዓዶምን ህዝቦም እናተሓባበሩ ክሰርሑ ፀዊዖም።

ደንገላት ካብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ንኣንፈት ምዕራብ ኣስታት 7 ኪሎሜትር ርሒቑ ዝርከብ ብሰራዊት ኤርትራ ዘስካሕኽሕ ግፍዕን ጨፍጫፍን ዝተፈፀመሉ ከባቢ እዩ፡፡