Home ዜና ሓገዝ ናውቲ ጥዕና ትካል ሰነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ሓገዝ ናውቲ ጥዕና ትካል ሰነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

241

ትካል ሰነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ( UNFPA) ዝተበሃለ ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ብልዕሊ 17 ሚልዮን ብር ፆታዊ ጥቅዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ መሐከሚ ዝውዕል ናውቲ መሳርሒ ጥዕና ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣረኪቡ።

ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ሰነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UNFPA) ፤ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕካም ዘገልግሉ ልዕሊ 17 ማልዮን ብር ዝግመቱ ናውቲ ሕክምና መደቀሲ ዓራት፣ ኣልትራሳውንድን ካልኦት መሳርሕታት መጥባሕትን ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ከምዘረከበ ሓላፊ ቢሮ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም።

ብሰንኪ ዘጋጠመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብዝሓ ትካላት ጥዕና ዓንየን እየን ዝበሉ ዶክተር አማኑኤል፤ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ናውቲ ጥዕና ንትካላት ጥዕና ከምዝከፋፈል ሓቢሮም።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣተሓባበሪ ፕሮግራም ሰብኣዊ ሓገዛት ትካል ሰነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ጀምስ ኦክራ፤ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ምቅላል ፀገም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግደ ብምህላው ብዝተጠናኸረ መንገዲ ከምዝቅፅል ገሊፆም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽኽብ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ኣብ ቢሮ ጉዳይ ደቂ አንስትዮ ትግራይ ኣተሓባበሪት ፕሮጀክትን ምትእኽኻብ ሃፍትን በዓልቲ ሞያ ወይዘሮ ገበያነሽ ታደገ
፣ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ፀገም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መሊኡ ዝፈትሕ እኳ እንተዘይኮነ ፤ እቲ ዝጀመረ ሓገዝ ንካልኦት ገበርቲ ሰናይ መርኣያ ብምዃኑ ክምስገን ይግብኦ ኢለን።

ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ስነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ አፀጋሚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እንዳገበረ ከምዝፀንሓ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ብጎይትኦም ተኸስተ