ኣብ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ደደቢት መዓልቲ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ልዕሊ 1ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ንስድራ ስውኣት ሓገዝ ተጌሩ ።
ሓላፊት ማሕበራዊ ጉዳይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወ/ሮ መብራት ለገሰ ህዝቢ ጣብያ ደደቢት ነዚ ሰናይ ተግባር ሓሲብኩም ኣብ ጎኒ ስድራ ስውኣትና ብምዃን ንዝገበርኩምዎ ሓገዝ ዝለዓለ ክብርን ምስግናን ኣለኒ ኢለን ።



ሓገዝ ዝተገበረሎም ኣካላት ብወገኖም ንዝተገበረሎም ሰናይ ተግባር ድሕሪ ምምስጋን ብመስዋእቲ ደቅናን ኣሕዋትናን ክንሕርንን ሓቦ ክንሰንቅን እምበር ክንሓዝ ኣይግባእን ክብሉ ገሊፆም ክብል ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ኣስገደ ፀብፂቡ።