Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓገዝ ንኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ መንበረ ሰላማ

ሓገዝ ንኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ መንበረ ሰላማ

59

ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ እትርከብ ደብረፅዮን ቅድስት ማርያም ቤተክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ንኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ላዕለዋይ ቤተክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተክርስትያን ኦርቶ ዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ልዕሊ 4 ነጥቢ 8 ሚልዮን ብር ሓገዝ ከምዝገበረት ነቲ ሓገዝ ዘረከበ መንእሰይ ኣስመላሽ ተክለጊዮርጊስ ገሊፁ።

ኣካቢ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ላዕለዋይ ቤተክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ኣረጋዊ እታ ቤተክርስትያን ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ዝገበረቶ ሓገዝ ብምምስጋን ካልኦት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ዝገብርኦ ዘለዋ ሓገዛት ኣብ ቀረባ ግዜ ዕላዊ ከምዝግበር ኣፍሊጦም።

ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ መንበረ ሰላማ ኣህጉረ ስብከት ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ሃገራት ፓስፊክን ብፁእ ኣቡነ ሰላማን ብፁእ ኣቡነ ዮውሃንስን ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ወገናት ህዝቦም ህዝቢ ካብ ተፀባይነት ወፅዩ ባዕሉ ኣልሚዑ ዝቕየረሉ ባይታ ንምፍጣር ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ ይብሉ።

#ብገ/መድህን _ተ/መድህን