ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ማሕበር ማእገር tdf ንዉግኣት ቐለብ ዝኸዉን 52 ኩንታል ፊኖ ሓጊዞም፡፡
ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ተጋሩ ማሕበር ማእገር tdf ምእንተ ህልዉና ትግራይን ተጋሩን ክብሉ ኣብ ቓልሲ ቖሲሎም ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ሓገዝ ዝዉዕል 52 ኩንታል ፊኖ ብመንገዲ ትካል ስራሕቲ ምልላይ ቤተ ህፃናት ዊንታና ኣቢሎም ከም ዝሓገዙ ኣካያዲ ስራሕ ቤተ ህፃናት ዊንታና ግርማይ ኪዳነ ገሊፁ፡፡

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ መተሓባበርቲ ተጋዳላይ ሚኪኤለ ፍስሃን ልኣከ ማርያም ወዲ ራያን ማሕበር ማእገር tdf ዉራይ ተጋደልትና ዉራይና እዩ ኢሎም ብማሕበር ተወዲቦም ዝገበርዎ ዘለዉ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡
ምእንተ ህዝቦምን ዓዶምን ክብሉ ደሞምን ዓፅሞምን ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ዉግኣት እዚ ይውሕዶም እምበር ኣይበዝሖሙን ዝበሉ እቶም መተሓባበርቲ ከምዚኦም ዝበሉ ሓገዛት ተጠናኺሮም ክቕፅሉን ዉግኣትና ሓዉዮም ዓርሶም ክሳብ ዝኽእሉ ኣብ ጎኖም ኮይና ክንሕብሕቦም ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ድያስፖራ ትግራዋይ ሐዚ እዉን እንተኾነ ብጉልቦቱ፣ ብፍልጠቱን ገንዘቡን ከይረብረበ ኣብ ጎኒ ህዝቡ ኮይኑ እጃሙ ኣብ ምብርካት ከም ዝርከብ ዝፍለጥ እዩ፡፡