Home ዜና ሓገዝ ንጀጋኑ ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ

ሓገዝ ንጀጋኑ ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ

759

—-

ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ኣካሎም ዝጎደሉ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝውዕል ብ2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ዝተዓደጉ 50 ኣቡዑር ብሓገዝ ኣወፍዩ፡፡

ንጀጋኑ ዉጉኣት  ኣባላት ሰራዊት ዝግበር ሓገዝ ኣካል እቲ ትግራይ ንምሕዋይ ዝዕመሙ ዘለዉ ስራሕቲ ስለዝኾነ ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ገይርዎ ዘሎ ሰናይ ተግባር ኩሉ ክስዕቦ ከምዝግባእ ማእኸል ዕደላ ቀለብ ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ ተላብዩ፡፡

ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ኣካሎም ንዝጎደሉ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ዝውዕል ብ2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ዝተዓደጉ 50 ኣቡዑር ንመውዐሊ ኣውደኣመት ንዉጉኣት ሰራዊት ከምዘወፈየ ኣከያዲት ሰራሕ እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ወይዘሪት ገነት ብርሃኑ ገሊፃ፡፡

ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ተጠቒሙ ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣካቢ ቦርድ እቲ ትካል ኣይተ የውሃንስ ኣብርሃ ምእንተ ትግራይ ዝተዋደቑ ጀጋኑ ኣብ ዝኾነ እዋን ክኽበሩ ከምዘለዎምን ክሳብ ዓርሶም ዝኽእሉ እውን ደገፍ ክገብረሎም ከምዝግባእን ብምግላፅ ትካሎም እውን ነዚ ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልሉ ቃል ኣትዮም፡፡

ፆታዊ ጥቕዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ እውን ብንዋት ይኹን ብገንዘብ ንምሕጋዝ ተሊሙ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብን ትግራይ ንምሕዋይ ኣብ ዝግበር ምርብራብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዘለዎን ግደ ተገንዚበን ክሰርሓ ኣመራርሓ ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ  ሓቢሮም፡፡

ሓላፊ ማእኸል ዕደላ ቀለብ ዉጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እቲ ማእኸል ተጋዳላይ ገ/መስቀል ኣብርሃ ንዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ዉጉእ ዓርሱ ክሳብ ምምሕዳር ዝጅምር ኣሰር እቲ ሰናይ ተግባር ብምስዓብ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ፀዊዑ፡፡

ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ብግዱሳት ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ዝተጣየሸ ትካል እንትኸውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንነባራት ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ  ዞባታት ትግራይን ካልኦት ከባብታትን እዛ ሃገር ንዝርከቡ ወገናት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክገብር ዝፀንሐ ትካል ምዃኑ ኣመራርሓ እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ሓቢሮም፡፡

#ብገ/መስቀል ኪሮስ