Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓገዝ ዘርእን ናውቲ ሕርሻን ንሓረስቶት

ሓገዝ ዘርእን ናውቲ ሕርሻን ንሓረስቶት

84

ሰለስተ ትካላት ገበርተ ሰናይ ንወረዳታት 20 ዓዲ ወጀራትን ሰሓርትን 10 ነጥቢ 9 ሚልዮን ብር ዝግመት ዘርእን ናውቲ ሕርሻን ሓገዝ ንሓረስቶት ኣበርኪቶም።

ልዕሊ10 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ድማ ተጠቀምቲ እቲ ሓገዝ ከምዝኾኑ እቶም ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ምምሕዳር እተን ወረዳታትን ሓቢሮም ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ዘጋጠመ ድርቅን ሳዕቤናት ድሕረ ኩናትን ኣብ ግምት ዘእተወ ጂ ኣይ ዜድ፣ ኣክሽን ፎር ዘ ኒዲ ኢትዮጵያን ዌልት ሃንገር ሃይላይፍ ዝተብሃሉ ትካላት ገበርተ ስናይ ብጥምረት ኣብ ሕሱም ፀገም ንዝርከቡ ሓረስቶት ዘርእን ናውቲ ሕርሻን ሐጊዞም።ሐገዝ ዝተገበረሎም ሓረስቶት እቲ ሓገዝ ኣብ ወሳኒ ግዘ ዝተገበረ ሓገዝ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

ሓላፊት ፕሮጀክት ትካል ገባሪ ሰናይ ኣክሽን ፎር ዘ ኒዲ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኢልሃም ሙባርክ ፥ እቶም ትካላት ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ዝተፈላለዩ ሓገዛት እንዳገበሩ ከም ዝፀንሑ ብምግላፅ ናይዚ መቀፀልታ ኣብ ወረዳታት 20 ዓዲ ወጀራትን ሰሓርትን ንዘጋጠመ ሕፅረት ቀረብ ዘርእን ናውቲ ሕርሻን ኣብ ግምት ብምእታው ምስ መዳርግቲ ትካላት ገበርተ ሰናይ ብምዝታይ ንዘርኢ ዝኾኑ ጣፍ፣ ስርናይ፣ ብርሽን፣ ኮሚደረን ናውቲ ሕርሻ ብድምር 10 ነጥቢ 9 ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ።

ኣተሓባበሪት ትካል ገባሪ ሰናይ ዌልት ሃንገር ሃይላይፍ ጨንፈር ትግራይ ወይዘሮ ፍረወይኒ ሃይለሚካኤል ኣብቲ ሓረስታይ የጋጥሙ ዘለው ፀግማት ብምፅናዕ ንምሕጋዝ ከም ዝተወሰነ ሓቢረን ።

ኣመሓደርቲ እተን ወረዳታት ብወገኖም ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም ተጠናኺሩ ክቅፅል ድማ ፀዊዖም ።

#ብጎይትኦም_ተኸስተ