Home ዜና ሓፂር ታሪኽ ህይወት ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ  መረሳ / ሃይሉ ገምበላ/

ሓፂር ታሪኽ ህይወት ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ  መረሳ / ሃይሉ ገምበላ/

323

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ መረሳ / ሃይሉ ገምበላ/ 12 ግንቦት / 9/1953 ዓ/ም ካብ ወላዲኡ ኣይተ ገሰሰ መረሳን ወላዲቱ ወ/ሮ ኣበራሽ በላይን ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ቦታ ገምበላ ተወሊዱ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ዕድምኡ ንትምህርቲ ምስ በፀሐ ክሳብ ካብ 1ይ-8ይ ክፍሊ  ኣብ ቃዳማይ ብርኪ ዒላላ፣ 2ይ ብርኪ ድማ ኣብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓፀይ ዮሃንስ 4ይ ተማሂሩ።

ድሕሪ እዚ ናብ ማእኸል ሃገር ኣቕኒዑ ኣብ ኮሌጅ መምህራን ኮተቤ ትምህርቱ ተኸታቲሉ ብዲፕሎማ ተመሪቑ። ብሞያ መምህርነት ድማ ካብ 1980 ክሳብ 1984 ዓ/ም ኣብ ኤርትራ ከተማ መንደፈራ ኣገልጊሉ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ መረሳ /ሃይሉ ገምበላ/ ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብቋንቋ ትግርኛ ዝፍነዉ መደባት ቴሌቪዥን ገና ታተ እንትብሃል ምስ ካልኦት ግዱሳት ተሓዊሱ እግሪ ክተክል ኣኽኢሉ እዩ። ኣብቲ እዋን ብትግርኛ ዜና ከመይ ከም ዝስራሕ፣ተሃድሶ ከመይ ከም ዝቐርብ፣ ህይወትን ናብራን ህዝቢ ከመይ ከም ዝድህሰስ ዘርእዩ ምድላዋት ይስርሕን የቕርብን ነይሩ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብብርክታት ኣሳናዳኢ ዜና፣ ዋና ኣሰናዳኢ መደባት፣ዋና ሓላፊ ክፍሊ ተሃድሶ፣ኣተሓባባሪ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛን ከማኡ እዉን ብሞያ ዳይሬክቲንግ ብኪኣኢላን ብሓላፍነትን ኣገልጊሉ እዩ።
ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ካብ ዩኒቨሪሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሞያ ጋዜጠኝነት ቀዳማይ ድግሪ ተመሪቑ እዩ። ኣብ ከይዲ ስርሑ ኣብ ሃገረ ጀርመን ካብቶም ፈላማይ ዕድል ስልጠና ዝረኸቡ ሓደ ኮይኑ ልምድን ፍልጠትን ኣሰናንዳ ሰነዳት ቴሌቪዥን ጀርመናውያን ብእርይ ቁፅሪ ኣፅኒዑ ንብርክት ዝበሉ ናይ ሞያ መሓዝቱ ኣስልጢኑ፣ በዚ እዉን ሰነዳዊ መደባት ከመይ ከምዝስራሕ ንሚድያታት ኢትዮጵያ መሰረት ኣንፂፉ ሓሊፉ። 

ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ እናሃለወ ብፍላይ ኣርሆ ሽብላል ዘርእስቱ ሰናዳዊ ፊልሚ ደረጅኡ ሓሊዉ ህይወት ኣርሆ ብቐረባ ክፋለጥ ብምግባር ፍሉይ መቐይሮ ነጥቢ ኣቐሚጡ። ብዙሕ ህዝቢ እቲ ብትግርኛ ዘሕለፍክምዎ ተርጒምኩም ኣቕርቡልና  ሰለ ዝበለ ድማ ብቋንቋ ኣማርኛ ተተርጒሙ ዝቐርበሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ካብ ስራሕቲሃይሉ ገምበላ ካብ ኣእሙሮ ሰባት ዘይሃስስ ኣብ ግዜ መኸተ ወራር ኤርትራ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ኣብ ግንባር ፀኒሑ “ዕጡቓት ሰንበት” ብዝብል ርእሲ ዝሰረሖ ሰነዳዊ ፊልሚ ተጠቃሲ እዩ።
ሃይሉ ገምበላ ካብ 2000 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን መቐለ ንኣስታት 3 ዓመታት ምስ ሰርሐ ካብ ወርሒ ሕዳር 2003 ዓ/ም ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ንኣስታት 13 ዓምታት ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ /ኤመሓት/ መራሒ ጉጅለ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ፣ ዳይሬክተር ጉዳይ ቁጠባን ማሕበራዉን ፣ ዳይሬክተር መደባት ዶክዩመንታሪ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ገምበላ ክእለት ካሜራ፣ኤዲቲንግ፣ዳይሬክቲንግን ፅሑፍን ዝነበሮ በዓል ብዙሕ ዓውዲ  ክእለት ሊቅ ጋዜጠኛ እዩ ነሩ። ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ነቲ ዝምጥን ዓቕሚ ዝነብሮ ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ መገሻ ዓዲ ኩናማ፣ዕጣን ዘሮ፣ቀያሕቲ እምባታት ኢሮብ ዝብሉ መደባቱን ከምኡ እዉን ብዛዕባ ብፁእ ኣቡነ መርሃክርስቶስ ካብ ዉልደቶም ክሳብ ዕርፍቶም ዝሰነደ ፊልም፣ዩኒቨርስቲ መቐለ ካብ ምምስራቱ ክሳብ 10ይ ዓመት ዝገልፅ ሰነዳዊ መደባት ስሪሑ ናብ ተመልከትቲ ኣብፂሑ እዩ።

ከምኡ’ዉን ብዛዕባ ገዳም ኣሲራ መቲራ፣ጎቦታት ግራዓልታን ኣብ ዉሽጦም ዝሓቖፍዎም ታሪኻትን፣ጋዜጠኛ ዘይበፀሖም ጥንታዉያን ሓድግታትን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ትግራይን እናፈተሸ ዝሰረሖም ሰንዳዊ መደባት መርኣያ ነይሮም።
ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብስነ-ፅሑፍን ቋንቋታት ወፃእን ካልኣይ ድግሪ ትምህርቲ ዝተኸታተለ እንትኾን ፍልጠቱ ብዘይምንም ስሰዐ ብፍላይ ሓደሽቲ ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ካሜራን ዘካፍል ብምንባሩ ምስ ጋዜጠኛ ሃይሉ እንተሰሪሕኻ ናይ ፅባሕ ስንቂ ፍልጠት ምቕሳም ምዃኑ መሳርሕቱ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

ሃይሉ ገሰሰ ኣብ ማሕበራዊ ናብርኡ ብስኒትን ልዉህናን ዝፍለጥ፣እናዋዘይ ምስ ኩሉ ዝቀራረብ፣ንሞይኡን መሳርሕቱን ልዑል ክብሪ ዘለዎ ቅኑዕ ሰብ ነይሩ። ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ቆሉዕን እዩ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ /ገምበላ/ ንዝሓለፉ 5 ዓምታት ናይ ነርቭ ፅገም ኣጋጢምዎ ጥዕና ዝሰኣነለን ዓምታት ኣኳ እንተነበረ ንቲ ሞያ ዘለዎ ፍቕሪን ድሌትን ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ስራሕ ከየቋረፀ ሰሪሑ እዩ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ /ገምበላ / ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊ 26 ሕዳር 2016 ዓ/ም ኣብ መበል 62 ዓመቱ ካብዚ ዓለም ተፈልዩ። እተን ፎቖድኡ ገዳማትን ኣኽራናትን ሓዂረን ዘይደኽማ፣ጎየን ዘይደኻም መሓዉር ጋዜጠኛ ሃይሉ ኣዕሪፍን፣ እተን መፅሓፍ ኣንቢበን ዘየመንዋ ኣዒንቲ ገምበላ ትኽስ ኢለን ኣለዋ፣ እተን ፅሒፈን ዘይደኽመን ኣእዳዉ ገምበላ እዉን ኣዕሪፈን።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ስድርኡ፣መሳርሕቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ማህደረ ስብሓት ቅድስተ ቅዱሳን ማርያም ጉግሳ መቐለ ሎሚ 27 ሕዳር 2016 ዓ/ም ተፈፂሙ።

ቴሌቪዥን ትግራይ ብሕልፈተ ህይወት ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለፀ ንመላእ ቤተሰቡን ፈተውቱን ምፅንዕናዕ ይመነ።

ብኣብሪሃ ካሕሳይ