እዚ ግልጋሎት ሕክምና ሕማም ሞራ ዓይኒ ን2ይ ዙር ከም ዝዋሃብ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዂሓ ኣይተ መረሳ ገብረስላሴ እቶም ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽቡ ወገናት ካብ ዞባ ምብራቕ ጥራሕ ዝተመልመሉ እንትኾ በዝሖም ካብ 700ክሳብ 1000 ሰባት መጥባሕቲ ዓይኒ ክግበረሎም ምድላዋት ከም ዝተወገነ ሓቢሮምⵆ
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/05/02-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/05/04-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/05/01-1024x576.jpg)
እቶም ግልጋሎት ሕክምና ክግበረሎም ዝተመልመሉ ኣካላት ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ሙሉእ ወፃኢኦም ከም ዝሽፈነሎም ዝሓበሩ ኣይተ መረሳ በቢ ደረጅኡ ናብ ካልኦት ዞባታት እውን ስለ ዝቕፅል ካብ ዞባ ምብራቕ ወፃኢ ንዝመፁ ወገናት ግልጋሎት ሕክምና ስለ ዘይዋሃብ ንዘይተደለየ ወፃኢታት ከይሳጥሑ መልአኽቶም ኣሕሊፎምⵆ
# ብርሃነ መስፍን