Home ዜና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ካብ 14—20 ጉንበት 2015 ዓ/ም ብሕማም ሞራ ዓይኒ ዝተጠቕዑ...

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ካብ 14—20 ጉንበት 2015 ዓ/ም ብሕማም ሞራ ዓይኒ ዝተጠቕዑ ወገናት ግልጋሎት ሕክምና ከም ዝህብ ኣፍሊጡⵆ

704

እዚ ግልጋሎት ሕክምና ሕማም ሞራ ዓይኒ ን2ይ ዙር ከም ዝዋሃብ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዂሓ ኣይተ መረሳ ገብረስላሴ እቶም ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽቡ ወገናት ካብ ዞባ ምብራቕ ጥራሕ ዝተመልመሉ እንትኾ በዝሖም ካብ 700ክሳብ 1000 ሰባት መጥባሕቲ ዓይኒ ክግበረሎም ምድላዋት ከም ዝተወገነ ሓቢሮምⵆ

እቶም ግልጋሎት ሕክምና ክግበረሎም ዝተመልመሉ ኣካላት ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ሙሉእ ወፃኢኦም ከም ዝሽፈነሎም ዝሓበሩ ኣይተ መረሳ በቢ ደረጅኡ ናብ ካልኦት ዞባታት እውን ስለ ዝቕፅል ካብ ዞባ ምብራቕ ወፃኢ ንዝመፁ ወገናት ግልጋሎት ሕክምና ስለ ዘይዋሃብ ንዘይተደለየ ወፃኢታት ከይሳጥሑ መልአኽቶም ኣሕሊፎምⵆ

# ብርሃነ መስፍን